Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክንብርኵት ከይንብርኵት ቅድም ቀዳድም ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ

ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብና ኣደራዕ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ኣብ ነብሱ ዝጸሓየ ወለዶ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ነዚ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ ንምድሃኽን፡ ካቡኡ ሓሊፉ እውን “ እሺ” ኢሉ ዝንብርከኽ ሙኡዙዝ ግልያ ንምቕያር ፡ ሳዋ ዝበሃል ብቝዱስ ዕላማ ዝተለበጠ ተንኮል ኣሊሙ፡

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓደጋ ኣንጸላሊዎም፡ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እውን ዝገደደ ከምዝጽበዮም ፈሊጦም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝጠለቡ ዜጋታትና ንምሕጋዝ ኩሉኹም ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓገዝ ከምዝገበርኩም ይፍለጥ።

Eritrea armyበቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ፡ ብግብጺ ቀጺሉ፡ ኣብ ሊብያ ተጓሃሂሩ ንምልካውያን ስርዓታት ዝሰሃሎም ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብነታዊ ጽልዋ  ኣስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከይወስድ መታን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሓድሽ መብጽዓታት ንምሕባል ሓዱሽ ጎስጓስ  ከካይድ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባሪ ተበጊሱ  ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ዝኸበርካ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ከም ዝተኸታተልካዮ ነቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ተዋጢሮም ዓለም ክንዲ ዑንቂ ጸቢባቶም ንዘለው ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ዝተገብረ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ዕማም ብዓወት ተዛዚሙ ኢልና ኣበሲርናካ ኔርና።

Eygmማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ(ቤይ ኤርያ) ከም ኩሉ ደላይ ለውጢ ኤርትራውን ከም ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገርና ሳዕሪሩ ዘሎ ውልቀ ምልክን ስርዓተ ኣልቦነትን ካብ ሱሩ ሚሒኻ ኪኖ ሓጹር ንምድርባይን፡ ኣምሳይኡ ድማ ፍትሕን ደሞክራስን ሰላምን ዝሰፈኖ ስርዓት

ፖለቲካዊ ቁጠባውን ማሕበራዊን ኩነታት ኤርትራ 19 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ፣ ብዘደለናዮ መዓቀኒ ንርኣዮ ፣ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኽፍኤ የንቆልቁል ከምዘሎ ንዕዘብ። ኣብ ዝባን ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝገዝእ ዘሎ፣ ዘይሕጋዊ ዕላምኡ ዘይተፈልጠ ጉጅለ ኢሳያስ፣ ንኤርትራን ህዝባን ናብ መንገዲ ጥፍኣት ይመርሕ ኣሎ።

ከቦሮ ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ብሓዳስ ከቦሮ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተተኪኣ። ናብቲ ገፊሕ ዳስ ዘተን ምርድዳእን ዋዕላን፡ ገጻ እትመርሕ ከቦሮ መንእሰይ፡ “ንዑ ኩሉኹም ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ በዚ’ዩ መንገዱ ሰዓቡኒ ተጸንበሩ ተዛተዩ!” ክትብል ኣምስያ።

ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ኣንጻር ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ዝገበሮ ሓያል መኸተ ኣእላፍ መስተንክራትን ጅግንነትን እንክፍጽም ማዕረ ምዕረኡ ድማ ብዙሓት ኣሰቀቕቲ ጸለምቲ ውዕሎታት ዊዒሉ እዩ።

Oaklandኣብ በይ ኤርያ፡ ክልተ በዓላት ነጻነት ክብዓል ይዳሎ’ሎ ተባሂሉ ክዝረብ ይስማዕ። ከምኡ ክኸውንሲ ኣይምተግብኦን ዝብል ዘረባ’ኳ እንተሰዓቦ፡ ጠንቁ ንምድህሳስ ዝተዳኸመ ወይ ከኣ ዘይገደሶ ይመስል።

ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 13.02.2010 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣባላት ማሕበር „መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ EYC“፡ ካብ San Jose, CL (USA)፡ ኣጋይሽ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኖም ከምስዩ፣ „ሌላ ምስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ (EYC)“፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሎም፡ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ዓዲምናዮም አሎና። እዚ (Chat-Room) ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ብርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ሰዓት 20፡00 እዩ፡፡ መደረ ጋሻና ዝጅመረሉ ሰዓት 21፡00 ክኸውን እንከሎ፡ ዘተ ዘብቃዓሉ እዋን ከባቢ ሳዓት 01፡00 ክኸውን እዩ። ድሕሪ’ዚ ጋሻና ግዜ ሃሊይዎ፡ ፍቃደኛ እንተ ኾይኑ፡ አብ ለበዋ፤ ርእይቶ፤ ነቐፈታ፤ …ወዘተ… ክንአቱ ኢና።

ኦክላንድ ኣብ ወሽመጥ ምዕራባዊ ክፋል ካሊፎርኒያ ትርከብ ከተማ እያ። እዛ ካብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ብመኪና ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ርሕቀት ዝተደኮነት ኦክላንድ ምስ ከተማ ኣስመራ ዝመሳሰል ክሊማ ኣየር ኣለዋ።ካብ ከተማ ኦክላንድ ናብታ ብባሕሪ ዝተኸበበት ምጭውቲ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ንኽትከይድ ነቲ ንኽልቲኤን ከተማታት ዘራኽብ ቤይ ብሪጅ(bay bridge) ዝተባህለ መስተንክራዊ ቢንቶ ትጥቀም። ኦክላንድ ሓንቲ ካብተን ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝቕመጡለን ከተማታት ኣሜሪካ እያ።

ማሕበር ኤርትራዉያን መንእሰያት ንለውጢ(ኤመለ) ብውሑዳት በጻብዕቲ ዝቑጸሩ መንእሰያት እዩ ዓሚ ከምዚ ሕጂ ተመስሪቱ። ነዚ ማሕበር ዝመስረትና ሰባት ኩልና ራእይ ኔሩና ። ራእይና ከም ናይ ህግደፋውያን ኤርትራ ናብ ሲንጋፖር ምቕያር ዘይኮነስ ራእይ ብቕዋም ትምሓደር ኤርትራ። ጫማኻ ማዕረ እግርኻ ከምዝብልዎ እቲ ራእይኻዉን ጠገለ ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ።

መራኸቢ ብዙሃን የልምዕ መራከቢ ብዙሃን ድማ የጥፍእ። ክንዲ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ሚዛናዊን ሓቀኛን ኪኸውን ይግባእ።እንተኾነ ብዙሓት ቴክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ምዕባለ ተጠቒሞም ሕሱር ፕሮፖጋንዳ የካይዱ። ካብ ኩሉ ዘስደመም ድማ ብኣፎም ጸፍ ዝብሉ ወይ ብኻልኦት ዝወራዘዩ ምዃኖም ኢዩ።ገለ ዉሑድ ካብቲ ብዙሕ ከም ኣብነት ክጠቅስ።