Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 ዘበገስካዮ ዕላማን ትጽቢት ህዝብኻን ይሰማማዕ እዩ። ሕሉፍ ተሞክሮኻን ሕጽረታቱንዉን ኣይትዝንግዖን ኢኻ። ኣብ ቅድሚት ተጸፍዩ ዘሎ መንደላይዉን ካብ ክሻፋኻ ዝስወር ኣይመስለንን። ዝጫጭሖም ኣትማንዉን ኣብትሽትሽካ ከምዘለዉ ኣሚንካ ትድህለል ኣይመስለንን ። ከምዚ ሕጂ ኣልዒልካዮ ዘሎኻ ተባዕ ሕቶ ዘልዓሉ ምእንቲ ህዝቢ ዝተጣበቑ መራሕትኻዮም ንሸዉዓተ (7) ዓመታት ኣብ ትሕቲ  ጉድጓድ ዝሳቐዩ ዘለዉን፤ ብሕማም ማሲኖም  ናይ ሞት ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎን።