Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ኮሎምበስ ን 19 መስከረም 2009 በኣጋጣሚ መበል 8ይ ዓመት ብግልጺ ማሕዩር ሓርበኛታት ተቃልስቲ ኣንጻር ምልኪ-ዝተቃወሙ 11 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ቦኽሪ ልሳን ህዝቢ ዚኾኑ ተባዓትን ንጹሃትን ጋዜጣኛታት ዝተሓየሩሉ ማዓልታት ብሙኻኑንን በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ወርሒ መስከረም- ኣደ ብረታዊ ተጋድሎናን ሰለዝኾነት ንመበል 48 ዓመታ ንምብዓልን ንምጽንባል….

ኣብ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልማድ ወተሃደራዊ ዕልዋን ቅትለት መራሕቲ ሃገራትን ኣብ ኣፍሪቃ ዘሕፍር ዛንታ ኮይኑ ብባጫ ዝዕለለሉ እዋን ነይሩ እዩ። እኳ ደኣ ናይ ቀረባ እዋን። ኢሳይያስ ዝመራሒኦም ፖለቲከኛታት ኤርትራ ንብዓል ኢድ ኣሚንን ሙቡቱ ሰሰሴኮን ከላግጹሎም ይውዕሉ ስለዝነበሩ፡ ከምኣቶም ክኾኑ እዮም ኢሉ ዝተጸበየ ኣይነበረን። ኢሳይያስ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ‘እኩባት ጋዋኑ’ ክብሎም ከሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ‘ኣብነታውያን መራሕቲ ክህልዉና እዮም’ ኢሉ ሃነን ዝበለ ‘ምበር ነቲ ጽዩፍ ቋንቍኡ ዓገብ ዝበለ ‘ውን ኣይነበረናን።