Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንምልካውያን ፈተውቲ ስላጣን፡ ካብቶም ሓደ ዝገብርዎም ረቛሒታት ክግለጽ ተኾይኑ፡ ፍቕሪ ስልጣን፡ ብሕታዊ ሃብቲን ህቡብነት ምጥራይን እዮም። ህዝቢ ከምልኾምን ክፈርሖምን ድሕሪ ሞት ድማ ክዝከሩ ዓቢ ሃረርታ ናይ ምልካውያን እዩ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን  ብመንገዲ ወኪል ኣኽሩኽ ኣሰና ኣብ ኣመሪካ ተስፊት ክፍሉ ንወርሒ 20 ዶላር ብምውጻእ ዘዋህለሉዎ 780 ዶላር፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ገባር ሰናይ  ዳኒኤል ተወልደ 120 ዶላር፡ ኣብ ሚሽንጋን እትርከብ ሓንቲ ብመደባት ኣሰና ዝተመሰጠት ግድስቲ ስድራቤት 100 ዶላር ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብድምር ሓደ ሽሕ ዶላር ከበርክቱ ከለዉ። ኣብ በይ ኤርያ ዝነበር ሓደ ካልእ ግዱስ ኤርትራዊ 200 ዶላር ኣወፍዩ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን፡ ኣብ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ንዘለዎም ናይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ሰላምን-ምርግጋእን ፖሊሲ ንምውህሃድ ዝዓለመ ዋዕላ፡ ን9ን 10ን ሕዳር(2009)  ኣብ ብራስለስ (በልጅም) ከካይዱ ምዃኖም ብኤርትራውያን ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረጋጊጹ።

ስርዓት ህግደፍ ተሓቢኡሉ ዘሎ መጋረጃ ማለት ጸጋማዊ ስነሓሳብ፡ ኣውራጃነት፡ ናይ ከበባ መንፈስን ሓሶትን ጃህራን ትምክሕትን ምካኑ ብምስትብሃል፤ ከም’ቲ ጲላጦስ ኢዱ ሓጺቡ ካብ’ዚ ደም’ዚ ሰብኣይ’ዚ ነጻ እየ ዝበለ ካብ’ዚ ብጃንዳ ህግደፍ ዝፈስስ ዘሎ ደም’ዚ ህዝብ’ዚ ነጻ እየ ንምባል ክብቃዕን፡..ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር ሳቦያ ኢልኩም ነዚ መጻዪን ሽበራው’ን ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ናይ ታሪክ ጎሓፍ ንምድርባይ ስጉምቲ ሕጂ ውሰዱ እንዳበልና ንጽውዕ።. 

መሪሕነት ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ብዕለት 2 ወርሒ መስከረም 2007 ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ውድብን ሃገርናን ንምዝታይ ተጋቢኡ ውዒሉ።