Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Mihret ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ክትቃለስ ዝጸንሐት  ወ/ሮ ምሕረት ገብረየሱስ፡ ካብ’ቲ ሰልፊ ክትሳናበት ናብ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልዴሱስ ዓማር ወግዓዊ ምልክታ ከምዘቕረበት ምንጭታት ሓቢሮም።

Arheኣቶ ኣርሀ ሓመድ ናካ ወዲ 57 ዓመት ኤርትራዊ መበቆል ዘሎዎ ሽወደናዊ እዩ ፡ ኣርሀ ሓመድናካ ኣብ 80 ታት ናብ ሃገረ ሽወደን ከም ፖለቲካዊ ስደተኛ ኮይኑ እዩ መጺኡ ፡፡

EPDPብቀዳምነት ክቡር ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ብወገን ጥዕናኻ ጽቡቕ ክትህሉን ኣብ መነባብሮኻን ኣብ እተካይዶ ዘይሕለል ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየልካ።

ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብቲ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 1 ሰነ 2010 ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ Nice ዝተኻየደ መበል 25 ዋዕላ ፈረንሳን-ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ስምኦን መሓሪ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

ypfdjክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ሓንቲ ኣብ ኦስሎ እትነብር ኣባል ናይቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ከም ሃሱስ ዘዋፍሮ ብ YPFDJ ዝፍለጥ ጉጅለ መንእሰያት ዝኾነት ኤርትራዊት ዝሰደደትልና መልኽቲ፡ ኣብ ናይ ትማሊ ረቡዕ መደብና፡ ብምኽንያት ሕጸረት ሰዓት-ፈነወ ጽማቝ መልእኽቱ ጥራይ ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ትርጉም ምሉእ ትሕዝቶኡን እቲ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ከምዘለዎን ከኣ ነቕርበልኩም።

Frፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡ Stockholm News ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ።

GSትማሊ ሰኑይ 23 ለካቲት፡ ዝኾነ ሞባይል ቴለፎን ሒዙ ዝተረኽበ ኣባል ሰራዊት  “ሃገራዊ ክድዓት ከምዝፈጸመ ተሓሲቡ፡ ስጉምቲ ክውሰደሉ እዩ” ዝብል ከቢድ መጠንቀቕታ ዝተጻሕፎ ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክታም ዘለዎ ዘዋሪ መልእኽቲ ናብ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ዓባይ ብሪጣንያ ክዓዪ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተላእከ ሜጀር ሃብቶም ኪዳነ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

barhኣባል መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ባርህ ብሕማም ነዊሕ ድሕሪ ምስቓይ ሎሚ 9 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ኣፍሊጣ።