Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ዝተኣስሩ  ሽማግለታት ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን  ኣብ ኣስመራ፡ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣፍሊጦም።

kekia

ሰማንያታት ዝዕድሚኦም ፍሉጣት ሽማግለ ኣቦታት ሓሰን ኬክያን ዓብዱ ዮኑስን ትማሊ ቐዳም 13 ሰነ ብህግደፍ ካብ ኣባይቶም ተለቒሞም ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣባላት ኤምዲሰመውን ነቲ ኩሉ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝርከብ ዓመጽን ጎነጽን ወጊድ ኢልኩም፣ ነዛ ካልኣይቲ፣ ምርጫ ክብረት፣ ርትዒ፣ ሰላም፣  ሃገራዊ ዕርቂ፣ ብልጽግና፣ ሕድሕዳዊ ምክብባር ብምምራጽ ትቃለሱ ብምህላውኩም፣ ህዝብኹም ተሓቢኑልኩም ከምዘሎ፣ ንሕና እዞም እንፈልጥን ኣብ መንጎኡ እንርከብ ውልቀ ሰባት ንምስክር ኣሎና። ኣጆኹም ኣጆና

MHኣቶ መስፍን ሓጎስ፣ ከም ኣቦ መንበር ናይ ሰልፊ ዶምክራሲ ኤርትራ መጠን ምስ መዘናታትካ  ዝኾኑ ተቓለስቲ፣ ዝሓለፈ ምፍሕፋሓት ብምርሳዕ፣ እንዳተራዳድእኩም ንክትከዱ፣ ናትካ ተራ መተካእታ ከምዘይህልዎ ፈታዊ ይኹን ጸላኢ ዝኣምነሉ ከምዝኾነ ጥርጥር የብልናን።

sawaገለ ወለዲ ካብ 1ይ ዙርያ ጀሚርና ደቅና በብጊዚኡ ዝለኣኽና ንህሉ ንኸውን። ንሕሰቦ ክሳብ 21 ዙርያ፣ ሓንቲ ዓመት እንተሓለፈት ሓንቲ  ተርክብ። እዚ ነቶም ወፋሮ ተማሃሮ ጥራይ ዘይኮነ ንወለዲ ክሳብ ክንደይ ኣብ መነባብሮኦም ቅልውላው ከምዘእትወሎም ዝፍለጥ እዩ።

NSመንእሰይ ሞተር ሃገር ተባሂሉ ብክንክን ጥዕናን፣  ብትምህርቲ፣  ብሃናጺ መግቢ፣ ስፓርት ወዘተ፣ ተኾስኪሱ ክዓቢ ዝግባእ ቀንዲ ክፋል ናይ ሕብረተ ሰብ ኣካል እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ኤርትራና ብግልብጥሽ ኮይኑ፣ ክውዒ ብማንካ ክዝሕልን ብኢድካ ከምዝበሃል፣ ኩናት እንተመጸ ንዕኡ፣ ስራሕ ባርነት እንተሎ ንዕኡ፣ ግፋ እንተመጸ ንዕኡ፣ ስም ምኽፋእ እንተመጸ  ንዕኡ፣ ብዓቢኡ ድማ ግዳይ ናይ ስደትን መከራን ሽግርን ኮይኑ ይርከብ።

June 20እወ ንዝክሮም! ደቅና ኣሕዋትና ኣቦታትን ኣዴታትን ስድራና ዝተፈለዩና፣ ከመይ ኢልና ድኣ ክንርሰዖም። መዓንጣና ሕርር ክምቱር ይብል፣ ኣሕ! ሕጂስ ከመይ፣ ኣበይ፣ እንታይ ምሃለኹም ንብል።  ሓዊ ሓብቲ ክትስእን፣ ጮቖቕ ኢሎም ዘዕበዩ ወለዲ፣ ወላድ መኻን ክኾኑ፣ ፍቕርኻ ፈታዊኻ ንዘንቲ-እለት  ክፍለ። ሪእና ከይጸገብናዮም፣ የዕሊልና ከይዛዘምና ተፈልዮምና።

ምስዚ ስንብታኻ ብምትእስሳር ትግባረ ናይቲ ብኮምሸን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበየነ ተግባራዊ ንክኸውን፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል፣ ናይ ክቡር መንግስትኻ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ መብጽዓን ድሌትን ከምዝኾነ ገሊጽካልና። እዚ ህዝቢ ዝሓለፈ ከይኣኽሎ ሕጂ’ውን ኣብ ናብራ ስድትን ሞትን እዩ ዘሎ።