Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Waelaከምቲ ኩላትና ዘይንስሕቶ ብሰኪ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ዝከፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ምህላው መግለጺ ዘድልዩ ሓተታ ኣይኮነን።

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲን ኣትላንታን ህዝባዊ ኣኬባ ከምዝገበረ ዝዝከር እዩ። ኣብ ከተማ ዳላስ እውን ብኣላይነት ዳላስ ፎረም (Eritrean-American Public Forum of Dallas and Fort-Worth) ዝተባህለ በርጌሳዊ ማሕበር ኤዲኪ ዓቢ ናይ ህዝቢ ኣኬባ ኣዳልዩልኩም ኣሎ። እዚ ናይ ህዝቢ ኣኬባ ብኣቦ ወንበር ኤዲኪ ብጻይ ተወልደ ገብረስላሰን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ኤዲኪ ወኪል ብጻይ ኑር እድሪስን እዩ ክካየድ።