Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዛጊት ሰላም ረኺብካ ሩፍ ኣይበልካን። እቲ ብ “ኣይሰላም ኣይኵናት” እናተገልጸ ንዓመታት ላሕ ዘበለካ ሰንፈላል ዝበዝሖ ዘይቅሱን ኩነታት ሕጂ መመሊሱ እናኸፍአ ብምኻድ ብግህዶ ናብ ኵናት ክዘዙ ይርአ ኣሎ። ንስኻ ገበነኛ ወይ ሓጥያተኛ ስለዝኾንካ ኣይኮነን ደበና ኵናት ኣብ ሰማያትካ ዳግም ሰሪቡ። ዘይወዓልካዮ ዕዳ ዕቡዳት ምኽፋል፡ ግዳይነትካ ስለዝለመደ ደኣ ‘ምበር።