Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isaias Afewerqiመራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንገለ ክፋል ሰራዊት ካብ ዝእዝዙ ካብ ኮለኔል ንላዕሊ ንዝመዓርጎም ኣዘዝቲ ፡ ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣመልኪቱ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብገለ ካብኣቶም ተሪር ተቓውሞታት ከምዘጋጠሞ፡ ኢሳይያስ ከኣ ንተቓውሞታቶም ብነድርን ሕርቃንን ከምዝመለሸሉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝነበረ የማነ ገብረመስቀል፡ (ቻርሊ) ካልእ ሰብ ዝምደብ ንሚኒስትሪ ንግድን እንዳስትሪን ብግዝያውነት ክመርሕ ብኢሳያስ ከምዝተመዘዘ ምንጭታት ሓቢሮም። በዚ መሰረት ድሮ ስርሑ ጀሚሩ ‘ሎ።  

‘ፕረዚደንት’ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ ቦታን ስልጣንን ምቅይያራት ገይሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም ።

cabineባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ራብዕቲ (14 ጥሪ 2009) ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ካብቲ ምስ ጅቡቲ ዘከራኽር ቦታታት ክትወጽእ ተሪር መጠንቀቕታ ብምሃቡ ዝተሻቐለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዘይወግዓዊ መንበሪ ይቐያይር ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ መሰረት ናብ ከተማታት ክኣቱ ኸሎ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተመንዘዐ 5 ኤነትረ ዝዓቐኑ ናይ ሓረስቶት ኣእካል፡ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ኣስመራ፡ መደበር፡ ከምእተሸጠ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

kabineካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣብ’ቲ ብመንገዲ ፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተጸውዐ ህጹጽ ኣኼባ ንምስታፍ ብ12 ታሕሳስ ምስ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስሪሒታትን ከም ልማዱ ዕጹው ኣኼባ ኣካይዱ።

ሎሚ ዝወዓለ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ሲሪሒታትን ብኸምቲ ዝጀመሮ ንቡር ኣካይዳ ክቕጽል ከም ዘይከኣለ ምንጭታት ሓቢሮም።

ካቢነ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስሪሒት ዞባታትን ሎሚ ንግሆ ዕለት 12/12/2008 ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ተጸዊዑ ኣብ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ሓይልታት ምክልኻል ኣንጻር ምሕደራ መንግስቲ ከም ቀንዲ ዛዕባ ክዛረበሉ ከምዝወዓለ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።