Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዕለት 08 ሕዳር 2008 ኣብ መርበብ ሓበረታ ኣሰናይ ዶት ኮም ናባይ ኣነጻጺሩ ዝወጸ ናይጸለመ ጽሑፍ ብፈተውቲ ተቓለስቲ ሓበረታ ምስረኸብኩ ኣንቢበዮ። ነቶም ዝሓበሩኒ ብልቢ የመስግን፡፡ ከምዚ ዓይነት ጸለመን ውጹእ ሓሶትን ዕላምኡ ብዘየገድስ ኣብልዕለይን ኣብ ልዕሊ ሓደ ሓደ ናይቃልሲ ብጾተይን ብቐጻሊ ክንዛሕ ከምዝጸንሐ ተገንዚበ፡ ሕጂ ድማ ብጽሑፍ ደረጃ ክንዛሕ ጀሚሩ፡፡ ብጽሑፍ ምውጽኡ የሐጉሱኒ፡ ምኽንያቱ ሰነድ ስለዝኾነ ናትናን ናይ ጸሓፍቱን መንነት በብመዓልቱ እናበርሀ ክመጽእ ከሎ ንበዓል ጸለመ እንዳሓደረ ከቃልዕ ስለዝኽእል፡፡