Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

isaiasመራሒ ስርዓት ህግደፍ ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ27 ጥሪ ናብ ቐጠር ምስ ከደ ክሳብ ሎሚ 11 ለካቲት ናብ ኤርትራ ከምዘይተመልሰ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ኣሰና ‘ውን ነቲ ኩነታት ኣረጋጊጻቶ ኣላ።

Eritbውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኢራን ከምኡ ‘ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣልቓዒዳ ምዃኑ ዝንገረሉ ሄመል ኽትያር ኣልዕቡድ፡ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ስሉስዊ ርክብ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሓቢሮም።