Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን፡ ኣብ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ንዘለዎም ናይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ሰላምን-ምርግጋእን ፖሊሲ ንምውህሃድ ዝዓለመ ዋዕላ፡ ን9ን 10ን ሕዳር(2009)  ኣብ ብራስለስ (በልጅም) ከካይዱ ምዃኖም ብኤርትራውያን ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረጋጊጹ።

darfurባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ሎሚ 31 ሓምለ መጋብኣያኡ፡ 26 ሽሕ ወተሃደራትን ፖሊስን ዝሓቍፍ ሓባራዊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ናብ ዳርፉር ክለኣኽ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ።