Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዓርቢ ዕለት 25 መጋቢት 2011 ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኩሉ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ፣ፖለቲካውያን ውድባትን ፣ ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ፣ ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ፣ ደቀንስትዮን ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ከምኡውን ግዱሳት ውልቀሰባትን ዝተሳተፍዎ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ።

ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝቃለሱ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ለንደን ፊት ኤምባሲ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝቃለሱ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ለንደን ፊት ኤምባሲ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

Frፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡ Stockholm News ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ።

Lonኤርትራውያን ተቐማጦ ለንደን፡ መንግስቲ ምስሪ ምስ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሓባቢሩ፡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ ኤርትራ ምስጓጉ ብምቅዋም ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምስሪ ዕዉት ሰላማዊ ስልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ዓባይ ብሪጣንያ ክዓዪ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተላእከ ሜጀር ሃብቶም ኪዳነ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

50 ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሎሚ 31 ግንቦት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡  ለንደን ተረኺቦም ንማእሰርቲ መእመናን ብመንግስቲ ህግደፍ ዝዅንን ተቓውሞ ከምዘስምዑ ‘ኢንስፓየር መጋዚን’ ገሊጻ።