Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣማኑኤል እዚ ኣርእስቲ’ዚ ቃል ንቓሉ እንተወሲድናዮ ብዙሕ ትርጉም ኣይህብን ‘ዩ። መን ‘ሞ ‘ሎ ሰብ ኮይኑ ኣካላቱ ብቐይሕ ደም ዘይዘፈቐ፡ መን ከ ‘ሎ ኢዱ ቀይሕ ደም ተቐቢኡ ዝኸይድ? ብያታዊ ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ግን፡ ደም ካልእ ምስላዊ ትርጉም ‘ውን ኣለዎ።

June 20ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ንምርካብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብኣሃዝ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ክትርእዮ ኸለኻ ጥራይ ኳ ዘሰንብድ እዩ። ድርኩኺት ህድሞን ኣግነትን መረባዕን ኤርትራውያን ስድራቤታት ሰጊርካ፡ ምስ ነፍሲ-ወከፍ ‘ቲ ኣብ መንደቕ ክብረት ዝነበር ዘሎ ኣሳእሎም ፊት ንፊት ክትጠማመት ከለኻ ግን እቲ ኣሃዝ ብኣሽሓት ተራቢሑ ዝያዳ ትርጉምን ርዝነትን ስለዝህበካ ካብ ስንባደ ሓሊፍካ ትርጉም ነብስኻ ክትሓትት ትግደድ፡

Waelaክቡራን ዜጋታት ኤርትራ፤በዚ አርእስቲ’ዚ ክንጽሕፍ ምኽንያት ዝኾነ፤ነቲ ካብ 1974 አትሒዙ ሕዝብና ዝጠለቦ ሓድነት ሕዝብን ገድሉን በተን ሽዑ ዝነበራ ውድባት ንሓንቲ ሀገር ተፋላሊካ ሕድሕድ እናተጓነጽካ፤ ፍትሓዊ ነጻነት ከተዕቁብ ስለ ዘይክአል፤

                 እገዳ ህዝቢና ሎሚ ኣይኮነን ተጀሚሩ
                 ህገደፍዩ ጀሚርዎ እትው ከይበለ እግሩ
                 ንኸይንቅሳቐስ ዘልመሶ ብርኩ መሓውሩ
                 ንከይትንስእ ከይምዕብል ስልቱ ቀያይሩ

ልክዕዩ እቲ ለውጢ ፍትሒ ዘንግስ ቅዋም ዘተግብር ፕረስ ዘፍቅድ እሱራት ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ዘቅርብ ሕረስ ሓረስታይ ሸቅል ሸቃላይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ድሌት ኩሉ ኢዩ፡፡ እቲ ኣውያት ኣውያት ንሓርነትን ናጽነትን ክኸውን ከምዘለዎ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡ እቲ ለውጢ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላትን ቻርቸራትን ዝተሞርኮስ ስምምዕ ዘምጽእ ክኸውን ከምዘለዎ ዘየማትእ ዕላማ ኢዩ፡፡ ነዚ መን የምጽኣዮ ግን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን ኤርትራዊ ዜጋ ኢዩ፡፡ ኣብ ሰራዊት ይሃሉ ኣብ ስደት ይሃሉ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ እዚ ብምክልኻል ሓይልታት ተጀሚሩ ዘሎ ክድገፍ ይግባእ፡፡

intenios 2…ኣቦና ቅድምውን ካብ ዓለም ወጺእኩም፣ ንሰማያዊ ህይወት ዝመነንኩም ብምኻንኩም፣ ወይልኦም ድኣ እቶም ገበርቲ ክፉእ እንበር ንዓኹም ድኣ ሱባኤ ናይቶም ቅዱሳት ኣቦታት ኣቡነ ፍሊጶስ፣ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፣ ኣቡነ ተክለሃይማኖትን ካልኦት ኣቦታት ስለዝኾነ ብጸሎትኩም ነዞም ሰብኣዊ ህላዌና ተደሚሲሱ ዘሎ ደቅኩም ኣይትረስዑና። …..

ካብ ወልደንድራስ