Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስደተኛ መንእሰይ፡ በዓል ነጻነት ናበይ?

yeaklምዕራባዊ ክፍለ ዓለም እትነብር ዘሎኻ ስደተኛ ጎበዝ ሃገርና፡ ናይ ሎሚ መዓልቲ ጽሑፈይ ምሳኻ ግጠም ይብለኒ ኣሎ። “ኣንታ እቲ መንእሰይ እሞ…መንእሰይ መንእሰይ ንብል ኮይና እምበር፡ ደይ ከም ህዝቡ’ዩ።” እንተበልክዎ፡ “ላላእ! ኩሉ ነገር አእዋኑን ገግዚኡን ኣለዎ። ዕላል ይኹን መዛረቢ ኣርእስቲ፡ ዛዕባታት ከይተረፈ ብግዜ’ዩ ዝግዛእ።

enoughኣደራዕ ባርነት እዩ። “ወርሓዊ መሃያ ዜጋ ንመዋእሉ ካብ 400 ናቕፍ ኣይሕለፈሉ፡” እንዳበለ፡ “ውፈር!!” ዝብል ሽፍታዊ ምምሕዳር ኣብ ሃገርና 20 ዓመቱ ቆጺሩ። ንኹሉ በልማማ ዝለበደ ማዕርነት ኣብ ትሕቲ ግፍዒ፡ መግለጺኡ ማዕርነታዊ ባርነት እብሎ። ንኡስ ወለዶ ክነግረኩም። ዓመቱ ዓመት ጭርሖታት እዩ። እቲ ኣበዓዕላ ነጻነት ድማ እንዳተቐየረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ንዓ’ባ ንህዝብኻ ዝረ!!

enoughብጸላእተይ ተሳዒረ ዘይፈልጥ ሰብ እየ ኢልካ ትጅሃርን ተዘንቱ ትኸውን። ዝኣምነካ እውን ኣይሰኣንን። እንተኾነ ግና ኣካላትካ ዕድመ ደፊኡ፡ ከም ጸላኢኻ ከፈራርሰካ ምስ ተበገሰ፡ ክትስዕሮ ኢልካ ዘይሕሰብ ቃልሲ ከምዝኣቶኻ ትፈልጥ።

 ብዛዕባ ህ.ግ.ደ.ፍ እንታይ ክትጽሕፈሉ፡ እንታይ ከ ክትዛረበሉ፡ ኩሉ ነገራቱ ከምዘይሓልፍ ተቐሊዑ እዩ ዝብሉኒ ሰባት ኣለዉ። ኣይተጋገዩን። ብዛዕባኡ ዘጽሕፈኒ ዝያዳ፡ ብዝክኣለኒ ዓቕሚ ከቃልዖ ኢለ ዝፍትን፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት ግና፡ ጸላእየይ ከይርስዕ እዩ። ከምኡ እውን ንዕኡ ብዙሕ ኣይትውቀሶ ኣይትህረሞ ዝብል ርእይቶ እሰምዕ። ዝሃርሞ ዝወቕሶ ዝነቕፎ ከኣ፡ ክዕረ ኢለ ኣይኮንኩን። ፈሪሱ ክጒሓፍ ስለዝደልዮ እዩ።

Enough“ካልእ ድኣ እንተ ኣለካ ኣምጽእ እምበር፡ እዚ ሽጣራ እዝስ ቀደም ብገርሁ ኸሎ ህዝቢ፡ ተበሊዕዎ እዩ።” ዝብል ዘረባ፡ ነቲ ንኸታልል ኢሉ ዝብገስ ተቓውሚ እየ ዝብል ባእታ፡ ዘሰምብድ ክኽውን ይኽእል እዩ።

ወለዶ ምሉእ ተሰካሚ ብረት

Enoughሜዳ ሓርነት ካይሮ፡ ንሙባረኽ 70 ብልዮን ዶላር ሰሪቕካና ኣሎኻ፡ ኣምጽኣየን እንዳበለት ተተሓሒዛቶ ኣላ። ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ንሃገርና ቁማር ኢልካያ ክትከይድ ኣይኮንካን።

Enoughኤርትራ ንኤርትራውያን

ንጎደና ሓርነት ኣስመራ ንምግላጽ ክብል ኣብ 3ይ ክፋል ዘቕረብክዎ ጽሑፍ፡ ነቲ መንእሰይን ጎበዝን ኤርትራዊ ዜጋ ንምንእኣስ ኣይኮነን። ሓይሊ መንእሰያት ከነኣእስ እንተድኣ ኾይነ ብቐሊሉ ክርታዕ ይኽእል።

ጎደና ሓርነት ኣስመራ

Enoughነቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ህዝባዊ ማዕበል ክካታተል እንከለኹ፡ ሓደ ካብቲ ዝገርመኒ ነጥቢ እንተሃልዩ፡ ኩለን እዘን ካብ መግዛእቲ ነጻ ዝወጻ ዓዲ ጭቁናት፡ ጎደና ሓርነት ዝሽሙ ጽርጊያ ከምዘለወን ምፍላጠይ’ዩ።

 

Game overኩነታት እተን ማዕበል ህዝቢ ሓፍ ኮፍ ዘብለን ዘለዋ ሃገራት፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ክቃላሕ ክንርእዮን ክንሰምዖን እንከሎና፡ እዚ ዓመጽ እዚ ድኣ ሽም ሃገር ስለዝቐየረ እዩ እምበር፡ ዝያዳ ኣብ ሃገርና ጎሊሑ ዝርኣ ዘሎ እንድዩ ንብል።

Enough2011 ሕማቕ ወረ ሒዛ ኣይተበገሰትን። እሞ ኸኣ ኣብ መጀመርታ ወርሓ፡ ንምልካዊ ስርዓታት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፡ ከተርዕዶም ክኢላ። ለንቅነ ኣብ ቱኒዝያ፡ ጽባሕ ድማ ኣብ ጎረባብታ።