Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com


መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት፡ ሰኑይ 12 ሓምለ ሰዓት ሰለስተ ወጋሕታ፡ ኣብ ከባቢ ዓላ፡ ባዚት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ብዘካየዱዎ ስርሒት፡ 500 እሱራት ኣምሊጦም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም። 

 

ብግፍዓዊ ኣተሓሕዛ ስርዓት ህግደፍ ዘስካሕክሑ፡ ዊዓ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ምብራቓዊ መታሕት ኤርትራ ዝርከብ ህሮርማዊ ቦታ ኣብ ትሕቲ መሬትን ኮንተይነራትን ኣሲሩዎም ዝጸንሑ 400 እሱራት፡ ሓለውቶም ጥሒዞም ድሕሪ ምምላጥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኤርትራ ተበቲኖም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ጸኒዖም ዘለዉ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቶም ገንዘብ ዘይከፈልኩም ተባሂሎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ መንግስቲ ተቐይዶም ዝጸንሑ 618 ወለድን ስድራቤታትን ብሓይሊ ብረት ነጻ ከምዘምጽኡዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

13 ናይ ዩኒቨርስቲ ዲግሪ ዘለዎም እሱራት ካብ ቤትማእሰርቲ ትራክ ቢ (Track B  ) ኣምሊጦም ዛጊት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝኣተዉ መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ኣፍሊጣ።

ኣንቱም ሰባት፣ ሰዊት ዕድሜኻ ኣብ በረኻን ስንጭሮን ኣሕሊፍካ፣ ህይወትካ ኣወፊኻ፣ ነጻነት ኣምጺእካስ፣ ኣብ ዝኣተኻዮ ዘይፍለጥ ሽታ ማይ ኮይንካ ሽርብ ክትብል። ሎሚ ይምለሱ ጽባሕ ይምለሱ፣ ኣብ እምባትካላዶ፣ ዒራዒሮዶ፣ ካርሸሊዶ፣ እከለ ተሰዊኡ እከለ ኣሎ እናበልካስ ዓመታት ክሓልፍ።

Septእሱር፣ ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ክትሕረድ ዝቐረበት ደርሆ ንታሕቲ መሰል ዘለዎ፣ ባህላውን መንፈሳውን ሃገራውን ክብሪ ዝተቐንጠጠ፣ ሬሳ ዓይኒ ዘለዎ እዩ። ከይጠሚ፣ ከይህረም፣ ስድራኡ ክበጽሕዎ፣ ክሕከም፣ ክመሃር፣ ጉዳዩ ብነጻ ቤት ፍርዲ ክርኤ፣ ብጠበቓ ንነፍሱ ክከላኸል መሰሉ እዩ። እዚ ግን ኣብ ኤርትራ ዘይሕሰብ ከም ዝኾነ ኩልና ንፈልጦ ሓቒ እዩ።