Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰደት ወዲ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ እንስሳ’ውን ከይተረፈ ብዘይ ወለንትኡ ዝገብሮ ጉዕዞ ሂወት ኢዩ። እዚ ማለት ነቲ መሰረትካን ምበቆልካን ዝዓበኻሉን ከባቢ ራሕሪሕካ፡ ብዝይ ፍቶትካ ተገዲድካ ትኣትዎ ድኣምበር ምርጫ ኣይኮነንን። መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሰነ ሰብ ከምዝሕብርዎ ጠንቂ ሰደት ደቂ ኣዳም ኣብ ክልተ ዓበይቲ ምክንያታት ከፊሎም ይርእይዎ።

                 እገዳ ህዝቢና ሎሚ ኣይኮነን ተጀሚሩ
                 ህገደፍዩ ጀሚርዎ እትው ከይበለ እግሩ
                 ንኸይንቅሳቐስ ዘልመሶ ብርኩ መሓውሩ
                 ንከይትንስእ ከይምዕብል ስልቱ ቀያይሩ

ሰብ ተበራቢሩ ከሎ ብዛዕባ ሰላም ኮነ ኵናት ብዙሕ ይሓስብ። ብዛዕባ ገንዘብ ኮነ ናብራ  የውርድን የደይብን ኢዩ። ናተይ ግን ዋላ ኣብ ድቃሰይውን እንተዀነ ዝሓልሞን ከዋልኣኒ ዝሓድርን ካልእ ዘይኮነስ እቲ ሕልመይ እውን ፖለቲካ ብምዃኑ ኢዩ። ሕልመይ  ብዛዕባቲ ኣብ ኣብ መቝሕን ኣብ ባርነትን ዘሎ ህዝብናን ወገናን ጥራሕ ብምዃኑ ለይቲውን ድቃስ ኣይረኸብኩን።