Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣትሒዙ ፤ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽግበር ክጽውዑን ክጠልቡን ጸኒሖም እዮም።

      ዲሲ…. ዝመጽእ ዘሎ (ሰነ-19- 22) ብዓይነቱ ፉሉይ ዝኾነ መኣዲ ዘተን ሰለማዊ ሰልፊን ከተእንግድ ኢያ፡፡ እዚ ብሕብረት ኤርትራዊያን ኣንጻር ምልኪ (EGS) ከምእውን እርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (EDA) ዝዳሎ ዘሎ ሲምፖዚዮም(symposium) ብዓይነቱ ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ነገራት ሓደ ጎኑ ንጎኒ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኤርትራዉያን ብሓደ ተኣኪቦም ጕዳይ ሃገሮም መጻኢ ዕድል ሕዝቦም ዝዝትዩሉን ዝካትዑሉን መድረኽ ዝሰርዔ ብሙኳኑ ኢዩ፡፡ እዚ ሲምፖዚዮም እዚ ዕውት ኮይኑ ክወጽእ ግና ነፍሲ ወከፍ ብሃገረይን ሕዝበይን ይግደስ ኢየ ዝብል ዜጋ ስምዕታ ዘይድልዮ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ይጠልብ፡፡

 “ንድምጺ ኣሰና ነሰስና” ዝብል ቑኑዕን እዋናዊን ጭርሖ ሒዞም ኣዳለውቲ ድምጺ ኣሰና ሎሚ 26 February 2009 ሐደ ኣዝዩ ኣገዳሲን ኣቃልቦና ክፍለዮ ዘይብሉን “ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል” ዝብል ኣብ ኤርትርያዊ ባህልና ዝተሞርከሰ ጉቡእ ጻውዒትን ለበዋን ብዲምጺን ጹሑፍን ፈንዮም::

ሰላምትማሊ ዕለት 18 ሓምለ 2007 ሓደ ጽሑፍ ብኣቶ ተስፋማርያም ሓጎስ ዝተባህለ ዝተጻሕፈ፣ ኤርትራ ህያብ ስዋኣትና ኢያ፣ ንምዕቃባን ንምሕያላን ንጽዓር፣ ንጽባሕ ንጠምት፣ ብዝብል ኣብ ድምጺ መሰልና ደሊና ሰሚዕና። ኣብ ትሕዝትኡ፣ ግልብጥሽ ብዝኾነ ኣዘራርባ፣ መንእሰይ ሃገርካ ሕድሪ ስዋኣትካ ገዲፍካ ትሃድም ኣሎኻዶ ካልእዶ ብምባል ብቃና ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ምስ ሰማዕኩ ተዳናጊረ።

June 20እወ ንዝክሮም! ደቅና ኣሕዋትና ኣቦታትን ኣዴታትን ስድራና ዝተፈለዩና፣ ከመይ ኢልና ድኣ ክንርሰዖም። መዓንጣና ሕርር ክምቱር ይብል፣ ኣሕ! ሕጂስ ከመይ፣ ኣበይ፣ እንታይ ምሃለኹም ንብል።  ሓዊ ሓብቲ ክትስእን፣ ጮቖቕ ኢሎም ዘዕበዩ ወለዲ፣ ወላድ መኻን ክኾኑ፣ ፍቕርኻ ፈታዊኻ ንዘንቲ-እለት  ክፍለ። ሪእና ከይጸገብናዮም፣ የዕሊልና ከይዛዘምና ተፈልዮምና።