Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ከምቲ ትፈልጦ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሉ ህዝቢ ዓለም ብሰላምን ራህዋን ምንባር ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከቢድ
መስዋእቲ ከፊሉ ድማ ናጽነቱ አረጋጊጹ። ብድሕሪ እዚ ድማ አብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ህዝቢ ሃገሩ ንኽሃንጽ ካብኡ
ዝድለይ ኩሉ ብምውፋይ እኳ ድኣ አብ ካልኦት ሃገራት ብዙሕ ዘይርኣይ ወፈያ ገንዘብን ጉልበቱን ከበርክት ዓለም
ምስክሩ እያ።