Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

HRCስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስእላዊ መግለጺ ናይ 20 ዓመት ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሃገረ ኤርትራ እንዳመላኽዕ ኣእዛን ዝቐድድን ንኣእምሮ ዘናውጽን መናፍሕ ክወቕዕ ወርሑ ኣሕሊፍ ኣሎ። ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነት እንዳተባህለ  ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉራ ክነዝሕ ንዕዘብ ኣለና። ዋላ ንቐልዓለም እኳ ይኹን እዚ ተጋጊና፣ ካብዚ ተማሂርና ትብል ቅንጣብ ቃል ኣይሞሎቆትን። ከመይ ዝበሉ ብጹኣን ድዮም? ጌና ዓለም ካባና ክትመሃር ኣለዋ ይብሉ ኣለው። ዓለም ብምልእታ ከምዝኸዓበቶም እንዳፈለጡ።

ኣብ’ዚ ሰሙናት`ዚ ዝወጸ ”ብስም ዝተኣረመ ጸብጻባት ዋዕላ” ዝብል ዝርዝር ጸብጻባት ናይ ሰባትን ጸለመታትን ዝሓዘ እዩ ። እዚ ዘቃልዖ ነገራት እንተሃልዩ ንተኻፈልቲ ዋዕላ ዘይኮነስ ንኣካይዳ ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሳምንቲ ካብ ሓንቲ ኤርትራዉያን ብብዝሒ ካብ ሰብ በላዕ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሞም ዝዕቆቡላ ዘሎዉ ሃገር ብሓደ ኣዝዩ ተባዕን ርእሱ ብዝኣምን ንፉዕ ዜጋ ብሹማምንቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ሕብረተሰብና ንዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ገበናት ብኣዝዩ ስሩዕን ንጹርን ኣቀራርባ ምስክርነቱ ዘርጊሑ ኣሎ:: ( ንሙሉእ ሓበሬታ ነዚ መወከሲ ምጥዋቕ ይካኣል::) http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/rightMap/temp-08/1210T8-TA.pdf