Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መብዛሕትኦም ብጾቱን ደቅዓዱን መሳርሕቱን፡ ከም ጋዜጠኛ ዘይኮነ በቲ ዘይጽገብ ዒላሉን መስሓቕ ጭርቃናትንዮም ዝዝክርዎ። በዐል ቤቱን ወላዲ ኣቡኡን ከይተረፈ ክሳብ ሕጅዮም ክዝክርዎ እንከለው ክርትም ኢሎም ዝስሕቁ። ኣብ ሞያ ጋዜጠኛውን ኣዝዩ ንጡፍን ድምጺ ህዝቢ ብምኹዋን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናውን ሃገራውን ጉዳያት ብዙሕ ዘበርከተ ፍሉጥ መንእሰይ ናጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛዩ ነይሩ ኣብ ክፍላ መጋቢት 2003 ብኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ተባሂሎም ብዝፍለጡ ዓፈንቲ ካብ ገዝኡ ተጨውዩ ናብ ማሕቡስ ክድረበ እንከሎ።መንግስትን ኣኽባር ሕግን ቅድሚ 2023 ፈጺሙ ኣይፍታሕንዩ ክብሉ ዝገለጽዎ እዚ እሱር ናይ ሕልናን ሞያን ኣብ ከተማ ሲየጎ ዲ ኣቪላ ኣብ ቤት ቀይዲ ሞሮን ዲ ሙኒሲፓል፡ነቲ ነዊሕን መሪርን ጎደና ማእሰርትን ጽምዋን ተታሓሒዝዎ ኣሎ ምስ ብዙሓት ካሎኦት ግዳያት ምልክን ፋሽስትነትን ዝኾኑ ደቂ ሃገሩ።

ኣብ ዜና ከምዝተኸታተልኩሞ፡ ህይወት ልዕሊ 200 ኣብ ጉዕዞ-ባሕሪ ንስደት እንከለዉ ጃላቡ ዝጠሓለኦም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ። ሓምቢሶም ዝኽእሉ ውሑዳት ‘ኳ ህይወቶም ንስክላ እንተደሓነት፡ እቶም ዝበዝሑ ካብ ሞት ከምዘየምልጡ ተገሚቱ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ‘ዚ ንማዕከናት ዜና ዓለም ጫቝ-ጫቝ ኣብ ዘብለሉ ዘሎ እዋን፡ ቢቢሲ ንሓደ ኣቐዲሙ ብተመሳሳሊ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝኣተወ ስሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ኤርትራዊ ኣዘራሪባ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ቢቢሲ ዘቕረበቶ ጽሑፍ ቃልንቓሉ ተርጕምና ነቕርበልኩም። ንሱ እቲ ንኣፍሪቃውያን፡ ነዚ ቀታሊ ጉዕዞ ባሕሪ ‘ዚ ኣካይዶም ናብ ኢውሮጳ ክመጽኡ ዝድርኾም ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፡-

Shidaበሉ ወይ ወረስ ኣይትበሉኒ፡ ወይ ድማ እቲ ዝግባኣኒ ሕድሪ ስውእ ኣውርሱኒ፡ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግጽ፡ ኩናት ብሰላም፡ ዓመጽ ብፍትሒ፡ ዝትክእ። ሓድነት እዚ ሕላገቱ፡ ፍትሒ እዚ ባይትኡ፡ትርግታ ህዝቢ ኤርትራ ብኣንኹሮ ዝሰምዕ። ኣራግጻ እግሪ ሓደ፡ ንጥምርትን ስምርትን ብልጽግቲ ኤርትራ ዝሰርሕ ደምበ ተቓውሞ ኣውርሱኒ።