Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Doctorsኣብ ኤርትራ ወለንታዊ ናይ መጥባሕቲ ኣግልትሎት ከካይዱ ዝቐነዩ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣመሪካ (ቨርጂንያ) ዝመደበሩ Physicians For Peace ዝኾኑ ዓበይቲ ሓካይም: ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም ካብ ኤርትራ ክወጹ ብስርዓት ህግደፍ ተኣዚዞም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን፡ ኣብ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ንዘለዎም ናይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ሰላምን-ምርግጋእን ፖሊሲ ንምውህሃድ ዝዓለመ ዋዕላ፡ ን9ን 10ን ሕዳር(2009)  ኣብ ብራስለስ (በልጅም) ከካይዱ ምዃኖም ብኤርትራውያን ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረጋጊጹ።