Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መብዛሕትኦም ኣብ ከረን ዝዓዩ ዝነበሩ ልዕሊ 20 መማህራን ኣብ ባርካ ሂምቦል ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓደ መሰጋገሪ ተመሲሉ ዝተዋስአ መጋበርያ ኣብ ኢድ ህግደፍ ከምዝውዕሉ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንሱዳን ክትከዱ ሓሲብኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ይሕብሩ።

ናይ ሲቭል ክዳን ዝለበሱ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ብ26 ታሕሳስ 2008፡ ኣብ ኣስመራ ‘ሆሊዉድ’ ኣብ ዝተባህለት ኢንተርነት ካፈ ተጠቀምቲ ኢንተርነት መሲሎም ብምእታው ናይ ተቓወምቲ መርበብ ሓበሬታ ከፊቶም ንዝረኸቡዎም ሰለስተ መንእሰያት ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ኣጽዋር ብምጥሓስ ጸረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣጽዋር ምቕባል ትቕጽል ኣላ ክብል ዘቕረቦ ክሲ ነጺጉዎ።