Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብጸጋይ ገብረሂወት ሎንደን

<ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዋዕላን ጸረ ዋዕላን ሰለስተ ፈላለይቲ ስግኣታት ኣለዋ። ጸረ ዋዕላ ከም ቀንዲ ንዋዕላ ዘይ መደገፊ ምኽንያት ዘቕርብወን ክኣ እዚአን ኢየን። ሕቶ ቢሄር፣ ሕቶ ሃይማኖት፣ ምትእትታው ኢትዮጵያ፣- ኣብ ዝብል 1ይ ክፋል ጽሑፈይ ኣመንጕየ ነይረ፣ እንሆ ሕጂ ድማ 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣ ሰናይ ንባብ፣-

እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ብዙሓት ኣሻማዊ ኮይኑ ዘሎ ሕቶ ኢዩ። ብፍላይ ድሕሪ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ክኣ ረስኒ ወሲኹ ኣብ ኩሉ ናይ ክትዕ መአንገዲ ቦታታት፣ ፓልቶክ፣ ሰሚናራት፣ ወብሳይታት እንተላይ ፈይስቡክን ትዊተርን ከይተረፈ ከካትዕ ጸኒሑ ኣሎ።