Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

M8እዚ ክቡር ዕለት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ካብ ልዕሊ ዝኾና ናይ  ዓለምና ደቀንስትዮ ንኤርትራውያን ይምልከት እንተበልና ድፍረት ኣይቁጸርን። ምኽንያቱ ኣብ ሕሉፍ ገድላዊ ዘመን ብተግባር ኣመስኪረን ብቅዓተን ስለዘረጋገጻ። እዚ ኣርእስቲ ንብቅዓተን ወይ ታሪኸን ንምዝርዛር ኣይኮነን። ብቀሊል ዘይለዓል ሰፊሕ ብምዃኑ። ዕላማና በዚ ኣጋጣሚ ዕለት ኩነታት ናይተን ወደስትን ዘየምትን በቲ ሓደ፡ በቲ ካልእ ከኣ ህላወ ተባዓትን ግዳያትን ናይዚ ሕማቅ ግዜ ንምንጻር እዩ።