Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተስፉ ዘውደ

ከምቲ ኣብ ራብዓይ ክፋል ዝገልጽክዎ እተን መካይን ዕላምአን ንፖርት-ሱዳን ኣትየን ኣብቲ ናይ ምብራቓዊ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ረድኤት ክህባ ኢዩ ተመዲቡ ዝነበረ። ካብ ወደብ ላስፐዝያ ንኣለክሳንድርያ ኣተና። እቲ ኩሉ ዝጽዕነት ናይተን መካይን ንስደተኛታት ስለ ዝኾነ ብስምምዕ ግብጽን ሱዳን ንኩላህና በዚ ጉዳይ ዝትዋፈርና ናይ ዲፕሎማሲ ቪዛ ተወሃበና። ንዓይ ዓቢ ናይ ህላወ ዋሕስ ነበረ። እዚ እውን ኣብቲ ዘካይዶ ምንቅስቓሳት  መጥቃዕቲ ክወርደኒ ስለ ዝኽእል ብወገን ጀርመናውያን ተሪር ስጉምቲ ክወስዱ ዝድርኽ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ማለት ኢዩ።

(ካብ ውሽጥን ግዳምን)
ነፍስ-ወከፍ ላህጃ ወይ ቋንቋ ናይ ባዕላ መግለጺ ኣለዋ። ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ፊደላትን’ውን ከይተረፉ ካብቲ ናይ ጽሑፍ ቅርጺ ዝመሃዙ ስነ-ጥበባውያን ረቂቕ ስምዒቶምን ንሓደ ወይ ሓንቲ መግለጺቶም ዝደረኸት ጦብላሕታን ኣምርን ዝተቐርጸ ጥራይ ኢያ ናብ ምምሃዝ ኣብጽሓቶም ክትከውን ትኽእል። ካብ ቅርጻ-መሬትን፣ ወይ ናይ ክሊማ ጠባይን ናይ መነባብሮ ልምድን ባህልን ዝተጸልወን ዝተበገስ’ውን ክኸውን ይኽእል። እቲ ብህዋሳት ዝቐርብ ምልክታታት ብርግጽ ንዘረባ ዝቕድም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ገጽ ኣእዳው ከምኡ እውን ኣዒንቲ ከናፍር ከይተረፋ ናይ ቋነቋ መበገሲ ክኾና ይኽእላ።

ዝኸበርኩም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ነቲ እኩይ ኣወዳድባ ኢና ክንምልከት። ሰብ ኣብ ማሕበርዊ ህይወቱ ምስ ከምኡ ፍጡር ዝነብረሉ ናይ ሓባር ውዕል ክኽትም ባህሪ ትድርኾ። ኣብ ኣማዓባብላ መነባብሮ ሰባት ንኹሉ ጎድናውን በይናውን ወይ ውልቃዊ ውንትኦም ብተናጸል ከማልእዎ ክግንዘብዎ ዘኽእል ግዴታ ኢዩ ዝድርኾም። ካልእስ ይትረፍ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ዝተኸፍለት ዓለምና ኩሉ ፍጡር ብሰሪ ድኻሙ ክወርዶ ዝኽእል ካብ ባህርያዊ ክሳብ ግዳማዊ ሓይሊ ንምክልኻል ክምክት ከም ዘለዎ ይርዳእ። ክምክት ድማ ሓይሊ ከድልዮ ናይ ግድን ይኸውን።


ኣብታ ቀዳመይቲ ዘመሓላለፍክዋ ጽሕፍተይ ገለ ናይ ፊድላት ጌጋታት ምንባሮም ደጊመ ኣብ ዘንበብኩሉ ግዜ ረኺበ። እቲ ዘገርም ድማ ኣብ ኩሉ ዝሰዶ ጽሑፋተይ’ውን ከምኡ ምንባሩ በሪሁለይ። እዚ ጉድለታት’ዚ ንብዙሓት ዘጋጥም ዘሎ ኢዩ። እቲ ናይ ግእዝ ፊደላት፣ ንሓንቲ ፊድል ምስ ኣድመጽታ ተወቂጣ ድምጺ ክትህብ ዘጋጥም ተደጋጋሚ ምውቃጣ ዘምጽኦ ተክኒካዊ ሽግር ከም ዝኾነ ርዱእ ኢዩ። ኮይኑ ግን ግዜ ወዲድካን ሃሰስ ኢልካን ክዕረ ይከኣል።