Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሕታዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ብምቕታል ንግዳዊ ንጥፈታት ንምብሓት ካብ ዘለዎ ፖሊሲ ተበጊሱ ንኹለን ኣውቶቡሳት ደው ከምዘበለን ምንጭታት ሓቢሮም።

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሕታዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ብምቕታል ንግዳዊ ንጥፈታት ንምብሓት ካብ ዘለዎ ፖሊሲ ተበጊሱ ንኹለን ኣውቶቡሳት ደው ከምዘበለን ምንጭታት ሓቢሮም።

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጀሚሩ ንህዝቢ ዓዲ ገብራይ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ከይተፍረፈ ብጅምላ፡  ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ኣብ ኣጻምእ ኣብ ዝተደኮነ ማሕዩር ዳጕኑዎ ከምዘሎ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ መደበራት ዜናን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ሎሚ 2 ሕዳር ኣብ ለንደን ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዖም። ነቲ ብስምረት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ መኸተ ዕማማቶም እተወሃህድ ሓባራዊ ሽማግለ ‘ውን ኣቝሞም።