Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Melottiቅድሚ ክልተ ሰሙን ኢሳይያስ ንዓሊ ዓብዱ ብጥርሙዝ ቢራ ገጹ ስለዝጨደዶ፡ ንኽልተ ሰሙን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ቀንዩ። ክሳብ ‘ዚ እንዋን’ዚ ኸኣ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተራእየን። ኢሳይያስ ስለምንታይ ንዓሊ ከምዝሃረሞ  ዛጊት እቲ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክስዕብ እዩ።

ኣፈኛ ናይቲ ጠንቂ ዕንወት ጸጋን ሰብን ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍ ግዝያዊ ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ፡ነታ ደሓን ኩን ዝበለቶ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ  እንኳዕ ደሓን ተመለስኪክንብላ ኢና፡ ክብል ኣላጊጹ።

ኣብታ ዝሓለፈት ሓሙስ ዕለት 10 ታሕሳስ 2009 ቃለ መጠይቕ ኣቶ ዕሊ ዓብዱ ምስ ረድዮ ኣመሪካ ተከታቲለ ነይረ።ጀሚሩ ስጋብ ዝውድእ ሓሶት ምስ ሓሶት እንዳላገበ መእሰሪ ዘይብሉ ዘረባ ክዘሩ ሰሚዕዮ።እንታይ ክብል ከምዝደለየ እዝግሄር ዋንኡ።ንዓይ ምውሓጥ ዝኣበየኒ ነገር ግን፡ ዓሊ ተግባሪ መብጽዓን ልቡ ኻኣ ሰፈር ሓወልቲ ስወኣት ገይሩ፡ ነዛ ነብሱ ዘይናታ ከሰክማ ሰሚዐዮ። 

aliኣብ መንጎ መራሒ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሚኒስተር ዜና ዓሊ ዓብዱን ዝነበረ ምውቕ ዝምድና ኣብዚ ጊዜ’ዚ ላሕሊሑ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወዲቑ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

..ካብ ሜዳ ሰኒቕዋ ዝመጸት እንኮ ነገር እንተሃልያ ግን ከቢድ ናይ ሕንከት ጸገም (ኢንፈሪዮሪቲ ኮምፕለክስ) እያ፡፡ ናይቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጽናት ውራየይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ጎይትኡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣዘራርባ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምሽክዕላል፡ ሽሕጣን፡ ምትላል፡ ክሕደት፡ ኮታ ኩሉንትንኡ ዋላውን ኣለባብሳ፡ ኣቀማቕማ ከይተረፈ፡ ብዝተኻእሎ መጠን ንጎይትኡ ኢሰያስ መሲሉ ምኻድዩ። ብሓጺሩ ትምዩን (ፎርግጅ) ባህሪ ለቢሱ ዝነብር ሰብ እዩ እንተበልኩ ብኣዝዩ ውሑድ መለክዒ እዩ፡፡

ነጋዳይ ኣልኣሚን መሓመድ ዓሊ (ወዲ ገረወይና) ካብ ዝሓለፈ ቕንያት ጀሚሩ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ከምዝርከብ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።