Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Demo dcሰኑይ 22 ለካቲት ንኹሎም ፈተውቲ ሃገርን ህዝብን ዝኾንና ኤርትራውያን ካብተን ዝሓለፋ ሰኑያት ዘይትፍለይ ሰኑይ እያ ኔራ። እንተ ነቶም ህግደፋውያንን ኢሰያስያውያንን ግና ከም ፍልይቲ መዓልቲ እዮም ክጽበይዋ ቀንዮም። ንህዝቢ ዝረኸበ ረኺብዎም መዓንጣ ከብዶም ተሓሚሶም እዮም ወሪሖም። ግና ዘይተርፍ ሓመድ ድበ ስለ ዝኾኖም ቅባጸት ንኽቀብጹ ከምቶም መሰልቶም በሃማት ልኡኽ ከብጽሑ ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ዝርከብ (city hall) ሲት ሆል ተኣኻኸቡ። ዕላማ መምጺኢኦም ነቲ ብውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተወሰነ ኣገዳ ንምቅዋም እዩ።

ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ለንደን፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ እገዳ ክዅንኑ ንምድፍፋእ ኣብ ዘካየዶ ናይ ‘ርድኡና’ ኣኼባ፡ ‘ሕጋዊ ኣይኮነን’ ኢሉ ናይ ጎይትኡ ኢሳይያስ መቓልሕ ካብ ምምላስ ሓሊፉ፡ ነቲ እገዳ ዝምክት ርትዓዊ ምላሽ ስለዘይረኸበ፡ “ንሶማልያ ኣጽዋር ከነቐብል እንተዄንና ብኢትዮጵያ ዝሓለፍ ንናይ ሎንደን ዝመሳሰል ናይ ትሕቲ መሬት መንገዲ ባቡር (ኣንደር ግራውንድ) ክህሉ ኣለዎ” ክብል ከምዘላገጸ ነቲ ኣኼባ ዝተኻታተሉዎ ኤርትራውያን ንድምጺ ኣሰና ሓቢሮም።  

          ዝኸበርካ ኤርትራዊ/ት ተቐማጣይ ከተማ ኣትላንታ፡ኣብ ሀገርናን ህዝብናን ዝወርድ ዘሎ ማዓት እንታይ ይመስል ናዓኻ ምትንታን ኣየድልን ምኽንያቱ ምስጢር ናየዳባባይ ኮይኑ ስለዘሎ።ኣብዚ ወዲቕናዮ ዘለና ደረጃ ክንወድቕ ከ ይግባኣና ዶ? ኣቦታትናን፡ኣሕዋትናን፡ደቂ ሓወቦታትናን ምእንቲ እዛ መሬትን እዚ ህዝብን ኣየጥፋእናን ዲና? ብሓቂ ንፖለቲካዊ ስልጣንን ዕብለላን ኢልካ ትቃለሰሉ ሃዋህው ድዩ ዘሎ ኣብ ኤርትራ፡ ነቶም ንፖለቲካዊ ስልጣን ኢሎም ዝቃለሱ ዘለዉ ሰባት እዩ ዝግደፍ ኢልካ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ትርእየሉ ኩነታት ድዩ ዘሎ ኣብዛ ነፍቕራ ሃገርና?