Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

villages

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብጽኑዕ ሓለዋ ተሰንዩ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ብምኻድ፡ ካብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ከበሳ ህዝቢ ኣፈናቒሉ ንምግዓዝ መዲቡሉ ዘሎ ከባቢ ዓሊግድርን ፋንኮን ገርሰትን ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘበ ብምምልካት፡ እቲ ናይ ምፍንቃል መደባት ንኽቃላጠፍ ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከምቲ ኩሉ አረሜናዊ ተግባራቱ ንህዝቢ ዝነበሮ ባህሉ፤ ልምዱን መነ ባብሮኡን ንምጥፋእን ንምብራስን ኩሉ ወዲ ሃገር ብግርህነቱ ከሎ ንሱ ግን ብመደብ ህዝቢ ዝጠፍአሉን ሃገር ዝባድመሉን ካብ መጀመርያ ዝሐንጸጾ ስዉር መደብ ኢዩ፡፡ እዚ ሕጂ ተታሐሒዙዎ ዘሎ ምፍንቓል ዓድታት’ውን መቐጸልታ ናይቲ በብጊዜኡ አብ ልዕሊ መሬትን ህዝብን ዝተፈጸመ ኢሰብአዊ ተግባራቱ ምዃኑ ንኹሉ ወዲ ሃገር ብሩህ ክኸውን አለዎ፡፡

EDFኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነቲ ስርዓት ህግደፍ 88 ዓድታት ብሓይሊ ንምፍንቓል ዘውጽኦ ኣዕናዊ መደብ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ኮይኖም ክቃወሙዎ ጀሚሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።

Eriልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባር ይሸባሸብ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ከምዝተቐስናዮ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብጥምየት ኣመኽንዩ ንህዝቢ ካብቲ ንዘበናት ዝነበረሉ፡ ኣብያተ ክርስትያኑን መሳጊዱን ዑና ኣቦታቱን ዝተተኽሎ ዓድታት ብግዴታን ምትላልን ከፈናቕሎ ዝሓንጸጾ ውጥን ህዝቢ ይቃወሞ ‘ኳ እንተሎ ብወለንታ ኣምሲሉ ከተግብሮ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ከካይደሉ ጀሚሩ ‘ሎ።