Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ሱዳን ናብ ሲናይ (ግብጺ) ብ 2500 ዶላር ተሰማሚዕም ዝተበገሱ ኣሕዋትና፡ ኣብ ሲናይ 2800 ኣኽፊሎሞም። ሲናይ ምስ ኣተዉ ከም እንደገና ካብ ሲናይ ንወስደኩም ኣለና ኢሎም ጠዋውዮም ናብ ካልእ ገዛ ብምውሳድ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ከፋፊሎም፡ ነቶም ሓደ ጉጅለ ንነፍሲ ወከፎም 7000 ዶላር ኣመሪካ ነቶም ሓደ ጉጅለ ኸኣ 6000 ዶላር ኣመሪካ ኣምጽኡ እናበሉ ኣደዳ ሞትን ማህረምትን ገይሮሞም ኣለዉ።

ናብ ኸበርካ ሓውና ምናሴ ዮሴፍ:
ሎሚ ህዝቢ ኤሪትራ አብ ክልተ ተከፋፊሉሉ አብ ዘሎ እዋን ጸግኢ ናይ ደግፍቲ ስርዓት ኢሰያስ ወሲድካ አብቲ ብደግፍቲ ዲክታቶር ኢሰያስ ዝፍኖ ናይ ረድዮ መደብ ምስ ሓደ ብጻይካ ” ብስጋ ሓውኻ ” ቀሪብካ ሓቂ ክትደፍንን ነቲ ነውራምን ሕማቕን ተግባራ ናይ ደገፍቲ ኢሰያስ  ክትሸፋፍንን ብጋዜጣታት ሽወደን ንዘይተባህለን ንዘይተጻሕፈን ከምዝተባህለን ከምዝተጻሕፈን አምሲልካ መልስን ትንታኔን  ክትህብ ምፍታንካ ንብዙሓት ኤሪትራውያን ዘሕዘነን ዘቆጠዔን ስለዝኾነ ነቲ ዝበልካዮ ሓደ ብሓደ  ብፍላይ ነቶም ክትዛረብ ከለኻ ዘይሰሙዑካን ክሰምዑኻ ዕድል ንዘይረኸቡን ከነብርሃሎም ክንፍትን ኢና::

ሃገረይ፣ ሰላም አብ ውሽጠይ አሕድርለይ ክንሳሕ ንዝፍጽሞ ባዕለይ ሸለውለው ከይብል ርግኣት ወስኽለይ፣ ሃገረይ፡ ናይ መወዳእታ ፈትኒ ጸሎት ግበርለይ ኣደ እየ’ሞ ከይሕለል ልበይ ወይ ደቀይ እንዳተገፍዑ ከይስዕስዕ አብ መቓብር ሰኣን ልበይ ጽቡቕ አለዉ ኢለ ከይብል ድምብርብር

READ MORE

ዓርቢ, ለት 28 ነሓሰ 2009 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ 1 ገጽ  ሕታማ (ኣብ 311) ኣብ /// ኢትዮጵያ ንዘሎ ዓሌትነት ብምቅዋም፣ ክልተ መራሕቲ ሃይማኖት ናብ ኤርትራ መጺኦም ክትብል ሓበሬታ ጽሒፋ’ላ

ዘበነ ዓገብ ዶ በጺሕካ
ትማሊ ዓገብ ዝበሉኻ ዊሒጥካ
ብትዕቢት ትምክሕቲ ከምዘይተዛረብካ
ዝናዓቕካዮ ህዝቢ ሓገዙ ኣድልዩካ
ኣበይ እሞ ሕጂ ከድሕነካ
ጭራ ነብሪ እንዲኻ ዓትዒትካ
ጫማ ኣግፊሕካ ጠፊኡካ ዕቅንካ
ኣተርክሶ ጭሕምኻ ተማሃር ካብ ብጾትካ::

POST TAGS:

ብ23 ሰነ ኣብ ገምገም ባሕሪ ህንዲ ደንደን ተባህለት ናይ ኤርትራ መርከብ ጠሊቓ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ኣሰና ዳት ኮም ምስ ኣንበብና ብዙሕ ጕሂና። መጀምርታ ሃለዋት ናይቶም ባሕረኛታትና ደሓር ድማ እታ ንብረት ናይ ኤርትራ ከንቱ ምጥፍኣ ተሰሚዑና።