Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነዚ ጽሒፍ’ዚ ናብ ኣሰና ክልእኽ ከለኹ፣ ልዕሊ ሰበይ ፈሊጠ ዘይኮንኩ፣ ነቶም ሃገራውያን ኣመት ንምሃብ፣ ነቶም ንኢሰያስ ካብ ገበናቱ ነጻ ኣውጺኦም ልዕሊ ሃገር ክሰርዑዎ ዝደልዩ፣ ንስዉኣት ረሲዖም ምስ ረብሓኦም ዝጐዓዙ ድማ፣ ግደፉ ናብ ልብኹም ተመለሱ ሒዝኩሞ ዘለኹም መስመር ግጉይ’ዩ፣ ጽባሕ ብታሪኽ ክትሕተቱ ኢኹም ንምባል ምዃኑ ክትግንዘቡለይ እደሊ። ሰናይ ንባብ!

ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ትማሊ ሓሙስ 13 ነሓሰ 2009 ልክዕ ሰዓት 16፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ማይ ኣጣል ጋሕተላይ ብቀጭ ሕርሙ ዝዓይነቱ ብረት ኣብ ልዕሊ ጸይቀ ዕሉል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከቢድ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም፡ እቲ ፕረሲደንት ንስክላ ክድሕን ከሎ ተሰቂሉዋ ዝነበረ መኪና ብጠያይቲ ከምዝተሃሞኸት ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣገልጋሊ ስርዓት ህግደፍ ዳዊት መጎስ፣ ንብዙሓት ንጹሃን ኤርትራውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኹን ካልእ ዝነበሩ ከበሳብስ ዝጸንሐ እዩ።