Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሓው መኮነን ዓንደሚካኤልን ኩላትኩም ኣንበብቲን፡

ብቐዳምነት: ንጹሑፋት መኮነን ብስሙ ወጺኡ ክንሱ: ብናይ ብርዒ ስም ከም ዝወጸ ገይረ ስለ እተረዳእኩዎ ጌጋይ ይቕበል:: ብርግጽ ሕጂ እቲ ምንጪ-ጽሑፍ ህግደፍ ከምዘይኮነ ፈሊጠ ኣለኹ:: እዚ ግን ንዝተረፈ ርእይቶይ ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ኣይቅይሮን::

ታሪኽ ክርስትና ከምዝምስክሮ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ፍትሕን ንውጹዓት ምውጻእ…መሳሊ ካብ መሰረት ትምህርቲ ክርስቶስ ስለዝኾነ እቶም ዘተግብርዎ ብፍሪኦም ይዕቀኑ። እሞ፡ ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይበርህ። እቶም ብስም ክርስቶስ ክርስትያን ኢና እና በሉ ኣብ ዓለምና መሳርሒ ንገዛእቲ ዓለም ኮይኖም ዘሻርዉ ግን ዓስቦም ካብ ገዛእቶም ይኸውን።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ቀያሕቲ ደቁ ከፊሉ ዝረኸቦ ናጽነት፡ ክበር ንበር ዝብሎ እምበር ኣብቲ ዘይሓወየ ቑስሉ ብሓለንጊ ዝገርፎ መራሒ ክረክብ ብሓቂ ኣይጻምኡን ኔሩ።

ዳማይ ወራር ብዓወት ኢሰያስ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ መንግስታት ኣመሪካን ርዋንዳን ዘበገስዎ ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓዘ
እማመ ሰላም ቀሪቡ። ንሱ ድማ ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዘከራኽረን ቦታታት ክስሕባን፡ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት
ድማ ዶበን ክሕንጸጽ ዝብል እማመ ኣቕሪበን።

ኣብ ጅቡቲ ዶብ ጥሒሱ  ቅሉዕ ወራር ከምዝፈጸመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከቕርብኦ ቀንየን ኣለዋ። ምስዚ ፍጻመታት
ብምትሕሓዝ እምበኣር፡ ኢሰያስ ንምንታይ ዕላማ ነቲ ብጎነጽ ፈጺሙ ክፍታሕ ዘይክእል ዶባዊ ግጭት ንምንህሃሩ
ከምዝጎይን፡ እንታይ ዕላማ ንምውቃዕ እቲ ግጭት ከምዝምህዞን እዚ ዓንቀጽ ክትንትኖ ፈቲኑ ኣሎ።

ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ናይ ወጻኢ ባጤራ ተጸንቂቑዎ ነቀይ-ነቀይ ዝብለሉ ዘሎ ቀውጢ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ካብቲ ዝርካቡ ሕንኳዅ ቆፎ-ባንካ ብዘይተጕላባ ባጀት ዝስልዓሉ ትካል እንተልዩ መረኸቢ ብዙሃን ህግደፍ፡ ብፍላይ ድማ ‘ቲቪ-ኤረ’ እዩ።