Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰበ ስልጣን ህግደፍ፡ብሰንኪ ዝኽተሉዎ ዓንዳሪ ፖሊሲ ብዕለት 23 ነሓሰ 2009 ማሕብረሰብ ዓለም ማዕቐብ ካብ ዝበየነሉ ግዜ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ኣርእስቲ’ዩ።እዚ ማዕቐብ’ዚ፡ካብ ጽባሕ ነጻነት ጀሚሩ ዝተፈ ፈላለ ማዕቐብ ውሽጢ ወሪዱዎ፡ሎሚ ኣብዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብን፡ንሰዓት ናህሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዕንወት ሃገር ኣብዝረኣየሉ ክፉእ እዋን ስለዝተበየነ፡ክትቅበሎስ ይትረፍ ክትሰምዖ ስግድግድ ዘብል’ዩ።

ሃገር ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነትን ጥሜትን ተሸኺላ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ኣሓትናን ደቅናን  ጭፍጨፋ ስርዓት ኢሳያስ ከይኣኽሎምስ ብጥሜት ተጠቒዖም ገዛውቶም ዓጽዮም ሃጽ ኢሎም እግሮም ኣብ ዝመርሖም ይጠፍኡን ብጥሜት ይሃልቁን  ምህላዎም ዓይንናኳ እንተዘይርኣየ እቲ ሕማቕ ወረስ ኣይትሓብኣናን። ንሰምዕ ኣሎና። ካብ ብኽያትን ጓህን ሓሊፍና ክንሕግዝ ብዘይምኽኣልና ከኣ ንሓዝን።