Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዓርቢ ዕለት 25 መጋቢት 2011 ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኩሉ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ፣ፖለቲካውያን ውድባትን ፣ ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ፣ ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ፣ ደቀንስትዮን ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ከምኡውን ግዱሳት ውልቀሰባትን ዝተሳተፍዎ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ።

ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ቀዳም 14 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ተካይዱ። ኣባላት ኮሚሽን ኣሕዋት ተኽላይ ኣብራሃን ዳንኤል ተወልደን ነቲ ኣብ ኒው-ዮርክን ከባብን ዝርከብ ህዝብና ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዶም። ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ውጽኢቱን ዕማማት ኮሚሽንን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ሕዝብና ካብ ዝሓለፈ ግዝያት ንላዕሊ ንፍትሕን ሕግን ንመሰሉን ንምቅላስ ይለዓል ከምዘሎ ኣብቲ ዝነበረ ብዝሒ ተሳተፍቲ ክዕዘብ ክኢለ፤ ብናተይ ውልቃዊ ትዕዝብትን ግምትን ከኣ ብውሑዱ 500 ዝኸውን ሕዝቢ ኣቢሉ ይኸውን ነይሩ በሃላይ ኢየ።