Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Stand by the people no to dictator -asenaእቲ ጽዩን ስርዓት ህግደፍ፡ ክሳዱ ኣብ መሸንቆቛ እገዳ ተቐሪባትሉ ኣብ ዘላትሉ ሰዓት፡ ኣብ ወጻኢ ፈቐዳ ጎደናን ገዛን ቶርሞስ ዝብሉ  ሃሱሳት ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብደምን ረሃጽን ድምጽን ዘረጋገጾ ናጽነት ንድሕሪት ገዲፉ፡ ካብ ዝፈትዋ ሃገሩ ናብ ዓዲ ጓና ዘሳጎጎ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ተመሊሱ፡  “ነዚ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሌና በይኑዎ ዘሎ እገዳ ክትኵንን ናብ ጀኔቫ፡ ኒውዮርክ “ኣዋፍረኒ፡ ኣባዝሓኒ”  “ርድኣኒ፡ ርድኡኒ” ኢሉ  ‘ከማዓልካ’ ኢሉዎ ንዘይፈልጥ ሰብ ክልምን፡ “ይርዳእካ” ኣብ ዝብሃለሉ ግዜ ኸኣ፡ “ሎሚ ኣብ ሰልፊ ህግደፍ ዘይተሰለፈ፡ ካብ ውራይ ረፈረንደም ከምዝተረፈ” ኢሉ ብዅርምትኻ ዘስሕቕ፡ ዓቕሊ ጽበታዊ ሃተፍተፍ የስምዕ ኣሎ።

asena‘ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን’ ዝብል ምስላ ኣሎ። ሕጂ ግን እቲ ነገር ድሮ ተኻዕዩ ስለዘሎ ምዕራዩ ቐሊል ኣይኮነን። ከበደ ፈኾሰ እቲ ዕማም ብዘይካኻ ዋና ስለዘይብሉ ግን ኣብ ሑጻ ከይተሰትየ ኸሎ ዝርካቡ ክትሓፍስ ልቦናኻ ሓዊስካ ኢደይ ኢድካ በል።