Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isaiasመራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ደጊሞም ግምርግጋጽ፡ ብሓደ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣብ ኣስመራ ቀጻሊ ምክትታል ይግበረሉ ከምዘሎ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

Isaiasመራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ደጊሞም ግምርግጋጽ፡ ብሓደ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣብ ኣስመራ ቀጻሊ ምክትታል ይግበረሉ ከምዘሎ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

gadafiስርዓት ህግደፍ ነቲ ብተቓውሞ ህዝብን ሰራዊትን ተሓኒቑ ነቕነቕ ዝብል ዘሎ፡ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኢሳይያስ ዝኾነ ስርዓት ኮለኔል ሙዓመር ኣልቐዛፊ ንምርዳእ፡ ናብ ትሪቡሊ ሰራዊት ከምዝለኣኸ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

gadafiስርዓት ህግደፍ ነቲ ብተቓውሞ ህዝብን ሰራዊትን ተሓኒቑ ነቕነቕ ዝብል ዘሎ፡ ናይ ቀረባ ዓርኪ ኢሳይያስ ዝኾነ ስርዓት ኮለኔል ሙዓመር ኣልቐዛፊ ንምርዳእ፡ ናብ ትሪቡሊ ሰራዊት ከምዝለኣኸ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Eritrea armyበቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ፡ ብግብጺ ቀጺሉ፡ ኣብ ሊብያ ተጓሃሂሩ ንምልካውያን ስርዓታት ዝሰሃሎም ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብነታዊ ጽልዋ  ኣስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከይወስድ መታን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሓድሽ መብጽዓታት ንምሕባል ሓዱሽ ጎስጓስ  ከካይድ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባሪ ተበጊሱ  ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Eritbውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ብስም መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ማሕበር ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም ከም ዝነበሩ፡ ብዕለት 22.12.11 ኣብ መርበብ ሓበሬታታት፡ ዜና ዘርጊሕና ምንባርና ዝዝከር`ዩ፡፡

ፊልፍልሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ህዝቢ

ኣብዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሰክሕ ግፍዕታት ስርዓት ኢሰያስ ተጸሚዱሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብሕርሻን መጓሰን ዝነብር ህዝቢ ንጥፍኣቱ ዝሃቀነ ሓድሽ መርድእ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ተነጊሩዎ ኣሎ።

Demo Australiaኣብዘን ዚሓለፋ 9 ዓመታት ኣንጻር ናይቲ ብህግደፍ ዝምወል “ኤርትራዊ ባህላዊ ምርኢት ኣብ ኣውስትራልያ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ፤ ብሰላማዊ መንገዲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክማሓላለፍ፣ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር፣

ሚልኪያስ ምሕረተኣብ፡ ኣብ ኣሰና ዶት ኮም ብዕለት 21- 12- 2010 < ንእሽቶ ምኽሪ ንሓው ኣለና> ዝብል ኣርእስቲ ሰለስተ ነጥብታት ገሊጽካ።

Wikiእዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ፡ ካብቲ ብዊኪሊክስ (Wikileaks) ዝለሓዀ ብ ኣምባሳደር ሮናልድ ከይ ሙክሙለን ካብ ኣስመራ ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተሰደዶ ዝተተርጎም’ዩ። ንትሕዝትኡ ኻኣ ሰናይ ንባብ፡ ተፈደሉ።

ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተነጺሉን ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እምነት ኣጥፊኡ መመሊሱ እናረሓቖ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ስደተኛ ህዝብና ብስዉር ንምቍጽጻር፡ ስፊሕ ስለያዊ መርበብ ዘርጊሑ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።

Hustonእቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።

isaiasፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ድሕሪ 24 ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከይቃላሕ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ጥብቂ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Asmaraውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዘሎ ዝምድና ዘላሕልሕ፡ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ዘናቁት ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ድሕሪ ናጽነት ድሕሪ 17 ዓመታት ዝወጸ መምርሒ፡ ዝያዳ መሰል ወነንቲ ኣባይቲ ዘረጋግጽ፡ መሰል ተኻረይቲ ብሓፈሻን መሰል ወነንቲ ትካላት ዘቆናጽብ፡ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ምዃኑ ድሮ ህዝቢ ተገንዚቡዎ ከምዘሎ እቶም ንጭታት የረድኡ።

ስርዓት ግህደፍ ኣብቲ ንኣህጉራዊ ኩባንያታት ዕደና ጽባሕ ጽባሕ ዝዕድሎ ዘሎ መሰል ዳህሳስን ዕደናን ወርቂ ዘጠቓለለ ጸጋታት፡ ናይ ኤርትራ ብጽሒት 10 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ “ ዶባት ኤርትራን እትዮጵያን ንምሕንጻጽ ኣብ ባይታ ግብራዊ ንጥፈታት ተጀሚሩ ‘ሎ፡ ምእንቲ ‘ዚ  ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶባት ስሒባ፡ ሰራዊት ኤርትራ ‘ውን ናብ ባረንቱ ተሳሒቡ ‘ሎ ፡ ካርታ ዝስእላ ነፈርቲ ኣብ ዶባት ይዝንብያ  ኣለዋ፡ ጸረነፈርቲ ከይትኩሰለን ‘ውን ንሓይልታት ምክልኻል መምርሒ ተዋሂቡ፡ ደጊም ሲ ዶባት ክሕንጸጽ ‘ዩ” እናተባህለ ኣብ ኣስመራ ታሕቲ ታሕቲ ተላቢዑ ዘሎ ወረ፡ ስርዓት ህግደፍ ምእንቲ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃልኪ፡ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዝዘርግሖ ናይ ሓሶት ወረ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም።

መደበር ቴለቭዥን ኣጀዚራ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሕቡእ-ቪድዮ ካሜራ ዝተቐረጸ ‘መንግስቲ ዘእንግዶ ራዕድን ፍርሕን’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ምስክርነት ኣብ መደባታ ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ብራዕዲ ተዋሂጡ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወረድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ኣቃሊዓ። 

Berlinመላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ንምግላጽን፡ ዲሞክራሲን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝጠልብን ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ20 ግንቦት ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ተኻይዱ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ከባቢ ፖርትስሚዝ፡ Haslar፡ ኣብ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ 5 ኤርትራውያን መንእሰያት ብግዴታ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሓደጋ የንጸላልዮም ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ተቓወምቲ ውድባትን ግዱሳት ወልቀሰባትን ናብ ኤርትራ ካብ ምምላስ ከናግፉዎም ብጥብቂ ኣተሓሳሲቦም።

ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ሰበስልጣን ‘ታ ሃገር፡ እቲ ብ ’ሪቮሉሺናሪ ጋርድ’ ዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ሰራዊት እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን፡ ኣብ ገማግም ቀይሕባሕሪ ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ንምምስራት ልኡኹ ናብ ኤርትራ ከምዝሰደደ ብምጥቃስ፡ ኢራን ኣብታ ንነዊሕ እዋን መሓዛ እስራኤል ኮይና ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ወተሃደራዊ ህላወ ክትምስርት ጀሚራ ምህላዋ ከምዝገለጹ ተፈሊጡ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከምቲ ኩሉ አረሜናዊ ተግባራቱ ንህዝቢ ዝነበሮ ባህሉ፤ ልምዱን መነ ባብሮኡን ንምጥፋእን ንምብራስን ኩሉ ወዲ ሃገር ብግርህነቱ ከሎ ንሱ ግን ብመደብ ህዝቢ ዝጠፍአሉን ሃገር ዝባድመሉን ካብ መጀመርያ ዝሐንጸጾ ስዉር መደብ ኢዩ፡፡ እዚ ሕጂ ተታሐሒዙዎ ዘሎ ምፍንቓል ዓድታት’ውን መቐጸልታ ናይቲ በብጊዜኡ አብ ልዕሊ መሬትን ህዝብን ዝተፈጸመ ኢሰብአዊ ተግባራቱ ምዃኑ ንኹሉ ወዲ ሃገር ብሩህ ክኸውን አለዎ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ከምዝተቐስናዮ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብጥምየት ኣመኽንዩ ንህዝቢ ካብቲ ንዘበናት ዝነበረሉ፡ ኣብያተ ክርስትያኑን መሳጊዱን ዑና ኣቦታቱን ዝተተኽሎ ዓድታት ብግዴታን ምትላልን ከፈናቕሎ ዝሓንጸጾ ውጥን ህዝቢ ይቃወሞ ‘ኳ እንተሎ ብወለንታ ኣምሲሉ ከተግብሮ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ከካይደሉ ጀሚሩ ‘ሎ።

እቲ ሰራዊት ኣልዒሉዎ ዘሎ ሕቶ ፡ መሰረታዊ ጠለብ ህዝቢ ‘ምበር ሕቶ ደሞዝ ከምዘይኮነ ኮሚተ ድሕነት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ሃገርና ኤርትራ  ኣብዚ ዉሽጢ  ዓሰርተ ሸዉዓተ ዓመታት ዘስካሕክሕ ፋሽሽታዊ ምሕደራ ህግደፍ: ኣብ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብና ዝወረደን ገና እዉን ዝወርድ ዘሎ መጠን ዘይብሉ በደላትን  ጭቆናን ጸብጺብካ ዝዉዳእ ኣይኮነን:: ነዚ ሕጂ ብሰንኪ ስርዓት ኢሰይያስ ኣፍወርቅን ሰዓብቱን: ሃገርናን ህዝብናን ካብ ደገን  ዉሽጥን ኣብ ዝኾነ እዋን ክነቱግ ብዝኽእል ሓደጋ  ክንቃላዕ ገሩና ዘሎ ስርዓት: ብኣጋኡ ምስዘስተባህሉሉ ኤርትራዉያን ባእታትን ሓይልታትን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ብማሃብ ንለዉጥን ፍትሕን ደው ኣብ ምባል ስለዝደንጎና ምኻኑ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚ እዛ ሎሚ ማሃነና ጠፊእዋ ንኩሉ ዓይነት ሓደጋታት ተሳጢሓ ዘላ ሃገረ ኤርትራ ምስ ሕልንኡ ሙጉት ክገጥም ግቡእ እዩ::

isuክውንነትን ግዜን ይቀዳደምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን ንግዜ ቀዲምካ እዋናዊ ሓቤሬታ ብምስናቕ ንኩነታት ብምምዛን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ይሕግዝ ኢዩ ዝብል ግምት ስለ ዘለኒ ነቲ ዋሕዚ ሓበሬታ ካብ ክዉን መንፈሱ ከይቀየርኩ ናብቲ ከም ንፋስ እናሸበብ ዝቕድመና ዘሎ ህሉው ምዕባለታት ብምትዃር ኩለትናዊ ሓበሬታ ብምዕራፋት እናኸፋፈልኩ ኣብ ቦቶኦም ከትሕዞም ምዃነይ ቃል እናኣተኹ፡ እንሆ ናብ’ቲ ቀንድን መበገስን ዝነበረ ኣገዳስን ተኣፋፍን ቴማ ብዝያዳ ኣተኵረ አቕርቦ ። 

isuካቡኡ ናቡኡ ኸኣ፡ ንኤርትራውያን ኣሻቒሉ ኣብ ዘሎ ኣርእስቲ ኣትየ ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ነቲ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገብሮ ጉዕዞን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ፡ ብዕለት 12/10/2008 ዝሃቦ መደረ ምርኩስ ብምግባር፡ ንዘለኒ ሓቤሬታ ንምክፋልን፡ ኣብ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ኩነታት ናይ’ቲ ከባቢ ኣመልኪተ ጹሑፈይ ከቕርብ እንከለኹ፡ ከም ቀንዲ ሕመረት ናይ’ዚ ጹሑፍ ከኣ፡ ነቲ ቃል ብቓሉ፡ “መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!” ክብል፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ቤንጃንኩዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል እምነ መሰረት ብምንባር ኢየ።

isuእቲ ናይ ሽዑ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ሰበ ስልጣን ስርዓት ደርግ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ብመንገዲ መራሕቲ ምብራቕ ጀርመን ኤሪክ ሆኒከር . . . ዘካየዶ ዝርርብ ናይቲ ምሉእ ትሕዝቶ ጽሟቕ መግለጺ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ነበረ፦

isላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ፡ ብዕለት 12/10/2008 ዝሃቦ መደረ ምርኩስ ብምግባር፡ ንዘለኒ ሓቤሬታ ንምክፋልን፡ ኣብ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ኩነታት ናይ’ቲ ከባቢ ኣመልኪተ ጹሑፈይ ከቕርብ እንከለኹ፡ ከም ቀንዲ ሕመረት ናይ’ዚ ጹሑፍ ከኣ፡ ነቲ ቃል ብቓሉ፡ “መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!” ክብል፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ቤንጃንኩዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል እምነ መሰረት ብምንባር ኢየ።

“መደባትና ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና ምቕንጣጥ ኢዩ“  ዝብል ቃል ናይ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ “ኔቶ“ ችፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፉን ቤጃንኩዝ ምርኩስ ብምግባር “ውሕሉል ፈዳይ ንጉሰ“ ሓያል ሚስጢር ዝሓዘ ጽሑፍ ኣብ ኣስና መርበብ ሓበሬታን ኣብ መርበብ ደቀባትን ኣንቢብና፡፡

isመደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!! – ላዕለዋይ ኣዛዚ፡ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ። ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ።

ብመጀመርያ ንዶክተር ዘይነብ ብርሃኑ ክብ ዝበለን ዝላዓለን ምስጋናይ ይብጸሓያ። ቀጺለ ድማ ምሁራትና ድምጾም ተዓቢሱ፣ ምንቅስቓሶም ተፈልዩና ብምጽንሑ ንዝወሰደቶ ፈላሚ ስጉምቲ ለባምን ኣድላይ ግዜን መድረኽን ዝጠልቦ ተበግሶን ሒዛ ደበኽ ብምባል እንቋዕ ብደሓን መጻእኪ እብል። እዚ እውን እቲ ማዕጾ ኣዝዩ ክረሖን ኩሎም ምሁራትና በብዘለውዎ ተራኺቦምን ተመያይጦምን ንቃልስና ከረሳስንዎ ፉሕ ከብልዎ እላቦ።

ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ከብቅዕ እንተኾይኑ እቲ ንልኡላውነት ሃገሩን ሰብኣዊ መሰላቱን ዘኽብርን ዝሕሉን፡ ወጽኢት መሪር ቃልሱ ዝኾነ፡ ሃገራዊ ቅዋሙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ።
ነዚ ንምትግባር ከኣ ብዘይካ በቲ ብዓል ቤት ናይዚ ሕቶ`ዚ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብካልእ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከም ዘይፍጸም ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ዓለም ተማሂርና ኣሎና።

Conጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮንዶሊሳ ራይስ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ከምእትሳተፍን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምእትራኸብን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንኣፈኛ ስተይት ዲፓርትመንት ብምጥቃስ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።