Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Eritrean peopleካብ 50ታት ክሳብ 80ታት ዝነበረ ትውልዲ ብኑጽር ናይ ናጻነት ዕላማ ተረዲኡ፡ ብኡ መጠን ኒሕ ተዓጢቁ ንናጻነት ህዝቡን ሃገሩን ንኸተግብር ኣንጊሁ ብምውፋር ሜዳታት ኤርትራ ኣዕለቕሎቖ። ከምታ ቃሉ ከኣ ነታ እንኮ ዝውንና ሂወቱ ከፊሉ ነታ ዝተመነያን ዝደኸመላን ዝድመየላን ነጻነት ኤርትራ ንብዙሓን ርእሰሃያላን ኣምበርኪኹ ህልውቲን ህያውን ከኣ ገበራ።

 ሎሚ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ኢዩ፡፡ 2008 ተወዲኡ 2009 ይጅምር ኣሎ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣውድኣመትን ፌስታን ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ዝርከቡ ህዝብታት ብታሕጓስን ብፍስሃን የሕልፍዋ ፡፡ ኮሎም መራሕቲ ሃገራት እውን ንህዝቦም ናይ ሓጎስ መልእኽትን ናይ መጻኢ መደባቶም ትንቢቶምን ብመራኸቢ ብዙሓን ተጠቒሞም መልእኽቶም የመሓላልፉ፡፡