Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቀዛፊበቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ውዱቕ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታቱን ሙሽሙሽ ስርዓቱን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዝቕጽል ዘሎ ውዕዉዕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተጨኒቑ፡ ኣብ ኤርትራ ‘ውን ህዝባዊ ተቓውሞ ከይለዓል ክቱር ስግኣት ሓዲሩዎ ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኣስመራ ኣርባዕተ ክፍላተ ሰራዊት ኣኪቡ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።

Sawaኣብ መዓስከር ወተሃደራዊት ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝርከብ፡ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብዕስክርናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምብካል ዝነጥፍ ቤትምህርቲ ከገልግሉ ዝጸንሑ መማህራን ብብዝሒ ናብ ስደት ስለዘምለጡ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዘጋጥሞ ሕጽረት መማህራን ንምትካእ፡ ኣብቲ ቤትምህርቲ ክማሃሩ ካብ ዝጸንሑ ሓያለ ተማሃሮ መንእሰያት ብሕርያ ኣትሪፉ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሰራዊት ሲሪላንካ ንብረት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብመንግስቲ ናይታ ሃገር ዝተሳዕረ ምንቅስቃስ ‘ታሚል ታይገርስ’ ዝኾና 12 ነፈርቲ ውግእ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓቝበን ከምዘለዋ ምግላጹ ‘ቮይስ ታሚል’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።


መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት፡ ሰኑይ 12 ሓምለ ሰዓት ሰለስተ ወጋሕታ፡ ኣብ ከባቢ ዓላ፡ ባዚት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ብዘካየዱዎ ስርሒት፡ 500 እሱራት ኣምሊጦም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም። 

 

somalia

ሚኒስተር ጸጥታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዑመር ሓሺ ኣደን ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ኣጽዋር ዝጸዓነት ናይ ኤርትራ ነፋሪት ብላድ-ዶግለ ኣብ ዝብሃል ካብ መቓድሾ 100 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ታሕተዋይ ሸበሌ ኣብ ዝርከብ  መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለበት ብምጥቃስ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ብምእታዉ ከምዝኸሰሶ፡ APA ዝተባህለ ናይ ኣፍሪቃ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ዝሕለበሉ ዘሎ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ በቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ) ኣቢሉ፡ ካብ ንግድን እንዳስትሪን ቻይና ናብ ፉቦን ባንክ ሆንግ ኮንግ፡ 276,468,220.07 ዶላር ብምትሕልላፍ፡ መሐወሊ ናይ ባንክ 149,292.84 ዶላር ከምዝኸፈለ፡ ነቲ ናይ ምትሕልላፍ ሰነድ ምርኩስ ብምግባር ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምንጭታትና ሓቢሮም።

 

 

isuኣብ ኤርትራ ዝርከባ፡ ኣሽሓት ሰራዊት ዝሓቖፋን፡ ጌና ሕጂ ‘ውን ኣብ ምምልማል ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቀንዲ ዕላማአንን ዕለታዊ ምንቅስቓሰንን፡ ኣንጻር ኢሳያስ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ዘራይ ብምእታው፡ ነቲ ምልዕዓል ብምጭፍላቕ፡ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕ ምዃኑ ሓደ ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበለ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንምንጭታትና ሓቢሩ።

ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳ ኣብ ናይ ህግደፍ ሕሳብ ባንክ ዝርከብ ገንዘብ ናይ ውልቀ ኤርትራውያንን ማሕበረ-ሰባትን ክሰሓብ ተወሲኑ፣

EDFኣብቲ ብብሪጋደር ጀነራል ተኸለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ዝምራሕ ብ ‘ምክትታል ዶባት’ ዝፍለጥ ዕማምን ስርሒታትን ዝካየደሉ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ዓስኪረን ዝርከባ ክልተ ቦጦሎኒታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ዞባአን ዝግበር መንግስታዊ ምብስባስ ህዝብን እገዳ ምንቅስቓስ ንብረትን እኽልን ብምቅዋም፡ “ኣገልግሎትና ሓልዮት ህዝብና እምበር ኣንጻር ህዝብና ኣይኮነን” ብዝብል መንፈስ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበን ግጉይ መምርሒ ነጺገንኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ከምዝበላ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሰበስልጣን ሊብያ ብዘይካ ‘ቶም ኣብ ምስርታህዝ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ኣሲሮም ዘሳቕዩዎም ዘለዉ 700 ኤርትራውያን፡
ዛጊት ብ UNHCR ዘይተበጽሑ 7 ደቀንስትዮ ዝርከባኦም 53 ካላኦት ኤርትራውያን ኣብ ዳንፉድ ዝብሃል ኣብ በንቓዚ
ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ኣሲሮም ምህላዎም እቶም ግዳያት ብቴለፎን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም።