Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

MHISዋላ ‘ኳ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ብርዒ ስም ተጠቒመ ክጽሕፎ እንተተገደድኩ፡ ነዚ ናይ ዝፈትዎ ዓርከይ መዘከር ምጽሓፍ
ሕልናዊ ዕዳ ስለዘቃለለይ ቁሩብ እረክእ። ኣነን መሓመድን ኣዚና ጥቡቓት ኣዕሩኽ ብምንባርና፡ ብሓንሳብ ብዙሕ ግዜ
ነሕልፍ ነበርና። ነንሕድሕድና ኣጸቢቕና ስለእንተኣማመን ከኣ ነጻ ኴንና ነዕልል። ኣብ መንጎ ክልቴና ምስጢራዊ
ጉዳይ ዝብሃል ኣይነበረን ክብል እደፍር።