Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክቡር ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ!!

ህዝባዊ ማዕበል ዝዓግት ሓይሊ ከምዘየሎ፡ ኤርትራውያን ፡ ብናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቓልሲ፡ ብከቢድ ክቡር ዋጋ ብሉጻት ዜጋታትና፡ ዝዓነወ ዝተራሰየ ሃብትና፡ ስደት ማሕበራዊ ምዝንባልና፡ በሰልኡ ገና ዘይሓወየ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉዳትና፡ ድምር ኩሉ ኩቡር ዋጋ ከፊልና ናጽነት ኣረጋጊጽና።

ሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ

መጋባእያ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኩነታት ገበንን ምጽናት ዓሌት ደቅ ሰባትን፤ግቡእ ስርሑ ዝጅምረሉ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 9 እኩዋ እንተኾነ፡ ዕዱማትን ዘይዕዱማትን፤ስድራቤታት ግዳያትን ህልቂትን ፋሽስታዊ መንግስቲ፤

ብሰንኪ ‘ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ተጻባኢ ስጉምትታን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ኣምባሳደራት ኤምባሲታት ከፊተን ክዓያ ዝጸንሓ ሃገራት ኤምባሲታተን ክዓጽዋ፡ ገሊአን ናብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክሓጽሮኦ፡ ገለ ድማ ብተንቀሳቓስቲ ኣምባሳደር ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈተን ከስርሓ መደብ ሒዘን ከም ዘለዋ ንዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ናይቲ ከባቢ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።

Cabinetህዝብና ብሰንሰለታውያን ገዛእቲ ንኣማእት ዓመታት ክሳቐ ከም ዝጸንሐ ንኹላትና ርዱእ ይመስለኒ። ዝያዳ ከፊኡዎ ዘሎ ናይዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ተዀዲጩ ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ስለ ዝኾነ ግን: ብዛዕባኡ ብዙሕ ኣይክዛረብን’ የ። በሉ ብቐጥታ ናብቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ምስ ሓደ ኣቦ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርና ዘገበርናዮ ዕላል ከካፍለኩም ጽን በሉ። እቶም ኣቦ፡ ወዶም ካብ ወጻኢ ዝሰደደሎም መድሃኒት ከምጽኡ ’ዮም ነስመራ መጺኦም። እቲ ዘምጻሎም ሰብ ብጉዳይ ዶላር ስለ ዝተኣስረ ግን ካብ ዓዲኣቤቶ ብዋሕስ ክሳብ ዝወጽእ ከም ጋሻይ ኣብ ገዛይ ቀንዮም። ንቐጽል ናብቲ ዕላል።