Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Dawitኣዲኡ ነቲ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሩ ሃለዋቱ ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ፡ ኣደይ ለታይ ክፍለማርያም፡ ኣብ መበል 70 ዓመተን ከምዝዓረፋ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

መእተዊ፡

ሃገር ኣሎና፡ ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ምሕደራ’ሎ፡ ክብል ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን፤ እንተሎ ከኣ ክንሰምዖ ድልዋት ኢና። እዚ ስለ ዝሰኣና ግን፡ ንቃለስ ኣሎና፤ እኻድኣ ከም ኣሕዛብ፡ ብሰንኪ’ቲ ርእሱ ዝተዘናበሎ መራሕን፡ ኣሳእኑን ኣእዳውን ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ዓያሹ መጥፋእቲ ዓደቦኦምን፡ ከም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ንርከብ። ሓቀኛ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ፡ ህጹጽ ጠለብና እዩ።