Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብፖለቲካዊ ተነጽሎን ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ተጠቒዑ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ “ ካብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ብዝኾነ መንገዲ ናብ ስደት ዝኸደ ኤርትራዊ ብሓፈሻ፡ ናብ ኤርትራ ክኣቱን ካብ ኤርትራ ክወጽእን ኣፍቂድና ኣለና” ዝብል ጎስጕስ ብኣኼባታት መልክዕ ከካይድ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣፈኛ ናይቲ ጠንቂ ዕንወት ጸጋን ሰብን ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ህግደፍ ግዝያዊ ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ፡ነታ ደሓን ኩን ዝበለቶ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ  እንኳዕ ደሓን ተመለስኪክንብላ ኢና፡ ክብል ኣላጊጹ።

ኣቦ ወንበር ናይቲ ‘ሕብረት ተጋሩ ንደሞክራስን ልኡላውነትን’ ብዝብል ስም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ሓድሽ ሰልፊ ዝኾነ ገብሩ ኣስራት: ሓደ ካብ ኣጀንዳታት ናይ’ዚ ሓድሽ ሰልፉ “ንዓሰብ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ” ከምዝኾነ ሪፖርተር ንዝተባህለ ጋዜጣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠየቕ ኣፍሊጡ።

20 seneፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ 20 ሰነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ትርጉም ህላወና ብኣእሙሮና እንምርምረሉን ነቲ ንኽብሪ ሃገር ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዝገበርናዮ ካሕሳ እንመዝነሉን ብምዃኑ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ…” ኢሉ።