Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 ንስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ከም ወኪል ሓደ ዓሌት ወይ ኣውራጃ ወይ ሃይሞኖት ገይርካ ክትውስኖ ምፍታን፡ ንስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ በደሉ ምሕባእ፡ ንሕዝቢ ኤርትራ ድማ ሕሰሙ ምቕባር ኢዩ ዘስምዕ።

መብዛሕትኦም ብጾቱን ደቅዓዱን መሳርሕቱን፡ ከም ጋዜጠኛ ዘይኮነ በቲ ዘይጽገብ ዒላሉን መስሓቕ ጭርቃናትንዮም ዝዝክርዎ። በዐል ቤቱን ወላዲ ኣቡኡን ከይተረፈ ክሳብ ሕጅዮም ክዝክርዎ እንከለው ክርትም ኢሎም ዝስሕቁ። ኣብ ሞያ ጋዜጠኛውን ኣዝዩ ንጡፍን ድምጺ ህዝቢ ብምኹዋን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናውን ሃገራውን ጉዳያት ብዙሕ ዘበርከተ ፍሉጥ መንእሰይ ናጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛዩ ነይሩ ኣብ ክፍላ መጋቢት 2003 ብኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ተባሂሎም ብዝፍለጡ ዓፈንቲ ካብ ገዝኡ ተጨውዩ ናብ ማሕቡስ ክድረበ እንከሎ።መንግስትን ኣኽባር ሕግን ቅድሚ 2023 ፈጺሙ ኣይፍታሕንዩ ክብሉ ዝገለጽዎ እዚ እሱር ናይ ሕልናን ሞያን ኣብ ከተማ ሲየጎ ዲ ኣቪላ ኣብ ቤት ቀይዲ ሞሮን ዲ ሙኒሲፓል፡ነቲ ነዊሕን መሪርን ጎደና ማእሰርትን ጽምዋን ተታሓሒዝዎ ኣሎ ምስ ብዙሓት ካሎኦት ግዳያት ምልክን ፋሽስትነትን ዝኾኑ ደቂ ሃገሩ።

ኣቶ ዮውሃንስ (ሃንስ) ፍረዝጊ ዝተባህለ፡ ትውልዲ ዓዱ ሰሳሕ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ዓላ ዝርከብ ብዘመናዊ ኣገባብ ዝለምዐ ናይ ሕርሻ ቦታኡ፡ ብሳላሳ ሚልዮን ናቕፋ ንማሕበር ኣከለ ስንኩላን ተጋደልቲ ክሸጠላ ድሕሪ ምውዕዓልን ምፍራምን፡ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልን ናይ ንብረት ምርኽኻብን ኣገባብ ምስ ተፈጸመ፡ ብውዕል መሰረት ድማ ገንዘብ ናብ ባንክ ምስተመሓላለፈ፡ ብትእዛዝ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፣ ኣባላት ጸጥታ ሃንደበት መጺኦም፡ ንዮውሃንስ ፍረዝጊ ከምዝኣሰርዎ እቲ ዝተኸፍለ ገንዘብ ካብ ባንክ ንኸይወጽእ ከምዝተኣገደን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።