Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isaias Gaddafiእዚ ሳላ ምህዞ ኢንተርነትን እንግዶቱን ብናይ ሓበሬታ መዋእል ዝልለ ዘበናዊ መድረኽ፡ ነቶም ከም ብዓል ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ኣብ ዕብለላ ስልጣን ዝተመስረተ ድሑር መስፍናዊ ስርዓት ዝኽተሉ ምልካውያን፡ እዋኖም ከምዘይኮነ ደጋጊምና ገሊጽና ኢና።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሃገር ኖርወይ፡ ንጉዳይ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪተን ብቐጻሊ ሻቕሎተን ከቃልሓ ጽኒሐን። እቲ ብዝያዳ ዘሻቐለን ዘሎ ድማ እቲ ደረት ዝሰኣነ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ፣ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝኽተል ህግደፋዊ መዓት እዩ።