Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ 3ይ ክፋል

ኣቐዲመ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ናይ ኣኽብሮት ሰላምታይ የቐድም። ብዙሓት ሰብ ሕልና ደለይቲ ፍትሒ፡ መሰል ውልቓዊ ናጽነተይ ብምግሃሱ፡ ንመሰለይ ምክልኻል ዓገብ ምባል ቕሬታይ ምግላጽጽ፡ ከም ቕኑዕ ሕጋዊ ሕቶ`ዩ ኣሚንኩም ኣብ ጎንካ ኣለና ኢልኩም ብኢመይል ሕልናዊ ደገፍ ሞራላዊ ምትብባዕ ዝገበርኩሙለይ፡ የቐንየለይ ክብረት ይሃበለይ ክብለኩም ኩርዓት ሓበን ይስማዓኒ።

ብዕለት 7ተ ግንቦት ብሓልዮት ተቛም ሰላምን ፍትሕን ኣካል ዩኒቨርሲቲ ሳንድያጎ (Institute of Peace and Justice in University of San Diego) ዝተዳለወ ሰሚናር ናይ መሰል ደቒ ሰባት ተጣበቕቲ (Human Rights Watch) ሰለስተ ተቓለስቲ ግዱሳት ኤርትራውያን ተሳቲፎም። እቶም ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ክፍለ ዓንደ (ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቕስቓስ)፤ ገብረሂወት (ጎነይ) (ኣባል ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ሳንድያጎ)ን ረዘነ ገ.ሚካኤል (ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሰሜን ኣመሪካን) እዮም።