Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Miriam Meronተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት፣ ጋዜጠኛ፣ ዋና ጸሓፊት ናይ ኤርትራውያን  ጋዜጠኛታት ማሕበር ኣብ ስደት፣ኣባል ኤምዲሰመ፣ ኣባል ስድሪ፣ ኣባል ኤትራውያን ንሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ኣባል ጉጅለ ተሓባበርቲ ምድላው ናይ ብራስልስ ኮንፈረንስ (Reference Group)፣ ኣባል ነበር ናይ Eritrean Room for A Strong and United Opposition (መጸውዒ ስም ኒግሮ)፣ ወዘተ…

isaiasዝኸበርኩም ኣባላት መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ፣-

ፈለማ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስልዎ ሃገራዊ ዕማም ዓወት እምነየልኩም፣፣ ቀጺለ ነዛ ቅልዕቲ ደብዳበ ክጽሕፈልኩም ዘገደደኒ ምኽንያት ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ብመሰረት እቲ ኣብ ምትሕንፋጻዊ ኮንፈረንስ ሰልፍና ዝተኣትወ ውዕል፣ እዚ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ብኣቦ-መምበር ሰልፊ ብፓልቶክ ኣኼባ ክግበረሉ ዝብል ኢዩ ዝነበረ፣

festivalኣቶ ካሕሳይ በርሀ ድሕሪ’ቲ ዝተዋህቦ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ስደተኛ መንበሪ ወረቐት ምሓዙ ነቲ ስርዓት ኣስመራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ብሕታዊ መሰለይ ብምግሃስ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኤርትራ ከንብረኒ ስለ ዘይከኣለ ኢሉ ንዘቕረቦ ናይ ማሓላ ቓል ብምኽሓድ ምስ ስርዓት ኣስመራ ብምትሕብባር

festivalኣቶ ካሕሳይ በርሀ ድሕሪ’ቲ ዝተዋህቦ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ስደተኛ መንበሪ ወረቐት ምሓዙ ነቲ ስርዓት ኣስመራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ብሕታዊ መሰለይ ብምግሃስ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኤርትራ ከንብረኒ ስለ ዘይከኣለ ኢሉ ንዘቕረቦ ናይ ማሓላ ቓል ብምኽሓድ ምስ ስርዓት ኣስመራ ብምትሕብባር

 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ብራሰልስ ዝተገብረ ምስጢራዊ ዋዕላ ንዓና ንደቂ ሃገር ክሳብ ክንደይ ከም ዝፈላለየናን ዘሰሓሓበናን ብቐሊሉ ዝርሳዕ ኣይኰነን። ዋዕላ ብራሰልስ ተወዲኡ ስምብራቱን ኣብ ተቓውሞ ደምበ ዘስዓቦ ፍልልይን ቂምታን ምድኻምን ከይተወድኤ ሎሚውን ካልእ  ካብ ዕለት 18 ዲሰምበር ጀሚሩ ዕለት 20 ዝውድእ ናይ ዓርከይ ዓርክኻ  ምስጢራዊ ዋዕላ ኣብ ሎንዶን  ክግበር ዓቢ ምሽብሻባት ይግበር ምህላዉ ይነፍስ ኣሎ።

ብኢሳያስ ኣስፍሃ

ዝኸበርካ መምህር ተስፉ ዘውደ ኣቐዲመ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስሎ ዘለኻ ሃገራዊ ዕማም ምሉእ ጥዕናን ዓወትን እምነየልካ።
ዝኸበርካ መምህር ተስፉ ዘውደ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጀመርካዮን ክሳብ ሻቡዓይ ክፋል ዝበጽሕ ተኸታታሊ ጽሑፍካ እከታተሎ ኣለኹ። ትሕዝትኡን ኣቀራርmበኡን ብዘየገድስ ኣንጻር’ቲ ዓማጽን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኽእል ፈጺመ ኣይጠራጠርን። እንተኾነ ግን ኣብ መሪጽካዮ ዘለኻ ኣርእስቲ ጽሑፍካ ኣይግድን! ከመይሲ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ( ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ወፍሪ ጊላነት ) ዝብል ዘሎ ካብቲ ብተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ብተኸታታሊ ዝቐርብ ዝነበረን ንባህርያት ስርዓት ህግደፍ ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ዝተንተነን ዘቃልዐን ከም ውጺኢቱ ኽኣ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተማህረሉን ንኽቃለስ ዘለዓዓለን ጽሑፍ ( ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ወፍሪ ባርነት) ዘፍልዮ እንታይ’ዩ? ነታ ባርነት እትብል ቃል ጊላነት ስለዝቐየርካ? ኣይፋልካን ዓገብ! መምህር ተስፉ። ጊላነት ማለት እኮ ባርነት ማለት’ዩ።

isu

ከመይ ቀኒኻ ከይብለካ፡ ከመይ ትነብር ከምዘለኻ ዝጠፍኦም ሰባት ሒዶት ክኾኑ ከምዝኽእሉ መጠን፡ ንይምሰል ካብ ዝሓተካ ርዱእ ንውሰዶ። ደብዳበ ንክጽሕፍ ዝደረኸኒ ምኽንያት ውን ኩነታት ጥዕናኻ ኢዩ።

dim

ቀንዲ ልኡኽ ናይቲ ‘ብሃይማኖታዊ ጉዳያት” ዝፍለጥ መፍላቒ መሓውር ሃይማኖታዊ ናጽነት ህግደፍ ብምዃን፡ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ከምዘራኸሰ ዝንገረሉ ይፍታሄ ዲሜጥሮስ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ከቢድ መጠንቀቕታ ዝሓዘ ደብዳበ ካብ ዝገድፉሉ ንደሓር፡ ብጽኑዕ ሓለዋ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

peradizo

ብመጀመርያ ሰላምታይ ተቐበሉ። ቀጺለ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ጉዳይ፡ ነዚ ሎሚ ቕነ ኣብ ኣስመራ ፐራዲዞ ዝርከብ ብ ‘ቁጠባ’ ዝፍለጥ ናይ መንግስቲ መንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት ብስርዓት ህግደፍ ዝውሰድ ዘሎ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ስጉምቲ እዩ። እዚ ገዛውቲ ብግዜ ደርግ ንህዝቢ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ናይ ክራይ ገዛውቲ እዩ። ክልተ ዓይነት ገዛውቲ እዩ፡ እቲ ሓደ ናይ 60 ዝብሃል 3 ክብልን ሽቓቕን ክሽነን ዘለዎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ 40 ዝብሃል 2 ክፍልን ሽቓቕን ክሽነን ዘለዎ እዩ። ህዝቢ ክሳብ 1995 ብሰላም ይነብር ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ሰላም ዝብሃል የልቦን። ብ1996-1997 ስርዓት ህግደፍ ትካል ኣለኩም መኪና ኣለኩም እናበለ ብዙሓት ካብቲ መንበሪ ኣስገዲዱ ብምልቃቕ፡ ኣብ ክንድኦም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሓለፍትን ኮለኔላትን ኣትዮሞ ይርከቡ።

ብመጀመርያ ንዶክተር ዘይነብ ብርሃኑ ክብ ዝበለን ዝላዓለን ምስጋናይ ይብጸሓያ። ቀጺለ ድማ ምሁራትና ድምጾም ተዓቢሱ፣ ምንቅስቓሶም ተፈልዩና ብምጽንሑ ንዝወሰደቶ ፈላሚ ስጉምቲ ለባምን ኣድላይ ግዜን መድረኽን ዝጠልቦ ተበግሶን ሒዛ ደበኽ ብምባል እንቋዕ ብደሓን መጻእኪ እብል። እዚ እውን እቲ ማዕጾ ኣዝዩ ክረሖን ኩሎም ምሁራትና በብዘለውዎ ተራኺቦምን ተመያይጦምን ንቃልስና ከረሳስንዎ ፉሕ ከብልዎ እላቦ።

ከም ኣረዳድኣይ እዚ ሎሚ ዝህነጽ ዘሎ ፓርቲ ንዑ ምሳይ ጥራሕ ተወደቡ ዝብልዩ ኢለ ኣይግምትን። ኣነ ውድበይ
ኣቐሚጠ ምስ ህዝቢ ክብገስ ወሲነ ኣሎኹ ክብል ከሎ ከኣ ካብቲ መግለጺታቱ ተበጊሰ ካልኦት ውድባትውን ከምቲ ናቱ
ከገብሩ ዝጸልእን ዝቃወምን  ኣይመስለንን።

ነቲ ምቅንጃው ገድሊ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንገድልን ታሪኹን ኣካፊኡ ንኤርትራዊ መንነትን ናጽነትን ክድምስስ ዝፈተነ ጸሓፋይ ንምቅንጃው ዘቕረቡዎ ጽሑፍ ዘይፍትሓዊ ኮይኑ ረኺበዮ። ብኤለትሮኒካዊ ጋዜጣ ዝተዘርግሐ ኤለትሮኒካዊ ሓሶት ‘ዩ እንተበልኩዎ ‘ውን ኣየጋነንኩን።