Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isrealኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ መማህራን፡ ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቐዳም 23 ሚያዝያ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እሱር፡ ኣብ ስደት ከኣ ከም ጅሆ እናተታሕዘ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዋላ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ስቅያትን ግፍዕን ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ መዓታቱ ኣብቂዑ፡ ከም ንቡር ጸዋሪ ስድራቤትን ሕብረተሰቡን ክኸውን መታን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተጸሪጉ ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘለዎ ብዘየወላውን ገሊጾም።

ብኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተጋዳላይ ተወልደ ገብረስላሴን ኣባል ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሽማግለን ተጋዳላይ ኑር መሓመድ እድሪስ ዘካይድዎ ዘለው ናይ ሰሜን ኣመሪካ ዑደት ብምቅጻል ጥቅምቲ 18 ኣብ ከተማ ኣትላንታ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኬባ ኣካይዶም።ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ትኹረት ዝተዋህቦም ናይ ምይይጥ ነጥብታት (ዛዕባታት) ብሓጺሩ ከምዚ ዝስዕቡ ነበሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ከካይድ ክታሞም ዝተነብሮ መወዋዕታ ኣቕሪቦም ካብ ዝነበሩ ብ ጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ነበር ሓደ ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሽወደን ተሰዲዱ ዝነብር ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ እቶም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ሓርበኛታት፡ ፍትሓውን ህዝባውን ሕቶ ህዝቢ ሒዞም፡ በቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ጸላም ቤትማእሰርቲ ይሓቁ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ።