Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ’ዚ ሰሙናት`ዚ ዝወጸ ”ብስም ዝተኣረመ ጸብጻባት ዋዕላ” ዝብል ዝርዝር ጸብጻባት ናይ ሰባትን ጸለመታትን ዝሓዘ እዩ ። እዚ ዘቃልዖ ነገራት እንተሃልዩ ንተኻፈልቲ ዋዕላ ዘይኮነስ ንኣካይዳ ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።

ብታሕሳስ 2/2007 ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣቶ ኣሕፈሮም ንኣብ ኦታዋን ከባቢኣን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ውግእ ክጅምር ኢዩ ዝብል ኣርእስቲ ሒዙ ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዑ።
ኣብዚ ኣኼባዚ ዝተሳተፉ ሰባት ምስኡ ደሚርካ ክሳብ 70 ኣቢሎም ይኾኑ።