Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

catholicchurchመባእታ

ብመጀመርያ ርሑስ በዓለ ልደት ይግበረልና። ንሕዝብና፡ ጸሎቱ ሰሚዑ፡ ንዝጸምኦ ሰላምን ፍትሕን ዝህብ፡ ንሕማቑን ጠንቂ ሓዘኑን ዝቕንጥጥን በዓለ ልደት ይግበረሉ።

መእተዊ፡

ሃገር ኣሎና፡ ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ምሕደራ’ሎ፡ ክብል ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን፤ እንተሎ ከኣ ክንሰምዖ ድልዋት ኢና። እዚ ስለ ዝሰኣና ግን፡ ንቃለስ ኣሎና፤ እኻድኣ ከም ኣሕዛብ፡ ብሰንኪ’ቲ ርእሱ ዝተዘናበሎ መራሕን፡ ኣሳእኑን ኣእዳውን ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ዓያሹ መጥፋእቲ ዓደቦኦምን፡ ከም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ንርከብ። ሓቀኛ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ፡ ህጹጽ ጠለብና እዩ።

Dr Bereketዶር በረኸት ሃብተስላሰ ኣብ ለንደን ምስ ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ተራኺቡ ኣብዚ ዓመት ‘ዚ ኣብ Red Sea Press ዝተሓትመት The Crown and The Pen ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፉ ኣላልዩ። ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ ቅልውላው ሃገርናን ኣፈታትሑኡን ‘ውን ምስቶም ኤርትራውያን ዜጋታት ተዛትዩ።

 ሃገርና ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ስምን ኣድናቖትን ዘትረፉ ብዙሓት ምሁራንን ለባማትን ኣለዉዋ። እንተኾነ፡ ምሁርን ለባምን ዝጽይኑ በሃማት ‘ውን ስለዘለዉዋ፡ እሞ ድማ ንግዚኡ ሰብ ጠበንጃ ኮይኖም ላዕለዋይ ኢድ ስለዝሓዙ፡ እቶም ፍቕርን ድሌትን ሃገር ዘለዎም ሰብ ብርዕን ሓንጎልን ደቂ ሃገር ንዓዶም ክገብሩላ ዕድል ኣይረኸቡን።

ብሓቂ ዕድለኛያ ኤርትራ ክበሃል ይከኣል፣ ሕፉራት ሰባት ንዕኦም ኮሪዕም ንዓዶም ዘኹርዑ ደቂ ከተፍሪ ብምኽኣላ። ሰብ ወዲ ሰብ ዘኹርዖ እንታይ እንተ ኢልና፣ ብዙሕ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ብዓቢኡ ግን ብወገን